ኣዲስ ኣበባ ፣ 20 ሚያዝያ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ሎሚ ዘበን ዝኽበር ብዓል ፊቼ ጨምበላላ ምኽኒያት ብምግባር ናይ እንኳዕ ኣብፀሐኩም መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያኦም ብቋንቋ ሲዳምኛ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ እቲ በዓል ንዘኽብሩ ርሑስ በዓል ንክኾነሎም ተመኒዮም።
ብሄረ ሲዳማ ምስ ብሄር ብሄረሰባት ኢትዮጵያ ብምስምዕማዕ ዝነበርን ናይ ባዕሉ ባህልን ታሪኽን ዘማዕብል ዘሎን ኢዩ ኢሎም።
ብዓል ፊቼ ጨምበላላ በዓል ካብ ጥንቲ ጀሚሩ ዝፀንሐን ብብርኪ ዓለም ፍሉይ ቅርሲ ህዝብን ኢዩ ክብሉ እውን ገሊፆም።
ብመሰረት እዚ ኣብ ዩኔስኮ ዘይድህሰሱ ቅርስታት ምምዝጋቡ ኣዘኻኺሮም።
እቲ ባህሊ፥ ሰላም፣ ሓድነትን ፍቕሪን ዝምልከት ትርጉም ከምዘለዎ ብምግላፅ፥ እቲ በዓል እንትኽበር ብምትሕብባርን ሓድነትን ምዃኑ ሓቢሮም።
ብመሰረት እዚ እቲ በዓል ናይ ታሕጓስ በዓልን ዝተፃለአ ዝዕረቐሉን ኢዩ ኢሎም።
ስለዝኾነ ትርጉም እቲ በዓል ብኣግባቡ ንኻልኦት ብሄራትን ብሄረሰባትን ብምርዳእ ብሓባር ጉዕዞ መዕባለ ንምስላጥ ክንጥቀመሉ ይግባእ ክብሉ መልእኽቶም ኣመሓላሊፎም።
ሓዱሽ ዓመት ብሄር ሲዳማ ዝኾነ ብዓል ፊቼ ጨምበላላ ብዘይ ዝኾነ ይኹን ፀገም ፀፅታ ንምኽባር ዘኽእል ቅድመ ምድላው ምግባሩ ቢሮ ሰላምን ፀፅታን ክልል ሲዳማ ምግላፁ ይዝከር።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።