ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ቤት ትምህርቲ መማዕበሊ ተውህቦ መሪቖም ከፊቶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ጥቅምቲ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ከተማ ቡራዮ ዝተሃነፀ ቤት ትምህርቲ መማዕበሊ ተውህቦ መሪቖም ከፊቶም።

እቲ ቤት ትምህርቲ ፍሉይ ክእለት ዘለዎም ዜጋታት ተውህቦኦም ዘርእይሉ ኢዩ ተባሂሉ።

ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ ዝተፈላለያ ኣብያተ ተምህርቲን ዩንቨርስታትን ዘለዉ ሰብ ተውህቦ ተምሃሮ፥ ተውህቦኦም ብምምዕባል ናብ ፍሪያትን ኣገልገሎትን ንምልዋጥ እንትሓስቡ እቲ ሎሚ ዝተመረቐ ቤት ትምህርቲ ነዚ ኣብ መትገባር ከምዘሕግዞም ተሓቢሩ።

እቶም ተውህቦ ዘለዎም ካብ ስሩዕ ምምሃር ምስትምሃር ከይረሓቑ ወይ ከየቋረፁ ተውህቦኦም ዘማዕብልሉ ከምዝኸውን ድማ ተገሊፁ።

እቲ ህንፃ፥ መመገቢ ኣዳራሽ፣ ምምሕዳር፣ ማእኸል ሕክምና፣ መምሃሪ ክፍሊታት፣ ቤተ ፈተነ፣ ቤተ መፃሕፍቲን ሰሪሕኻ መርኣዪን ዝወነነ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ብኣልአዛር ታደለ

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment