ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ በዓል ፋሲካ ምኽኒያት ብምግባር ናይ እንኳዕ ኣብፀሐኩም መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ሚያዝያ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ በዓል ፋሲካ ምኽኒያት ብምግባር ንመላእ ሰዓብቲ እምነት ክርስትና ናይ እንኳዕ ኣብፀሐኩም መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ትንሳኤ እየሱስ ክርስቶት ናይ ኣርባዕተ ወገናት ሽርሒ ዘፍረሰ ኢዩ ኢሎም።

ንሳቶም እውን፥ ብናይ ቃሉ ትምህርቲ ብኢዱ ተኣምር ዘይተሓጎሱ፣ ጥፍኣት ኣዳም እንበር ድሕነት ኣዳም ዘይደሊዩ፣ ብናታቶም መገዲ እንተዘይኮይኑ መንም ነገር ንምቕባል ፈቓደኛታት ዘይኮኑ ኣርባዕተ ወገናት ዝሰርሕዎ መሻገን ብትንሳኤ እየሱስ ክርስቶት ተወጊዱ ኢዩ ክብሉ ገሊፆም።

ዲያብሎስ ዕላምኡ ንደቂ ሰባት ምጥፋእ እንበር ምስ ደቂ ሰባት ሕውነት ምፍጣር ኣይኮነን ኢሎም።

ደቂ ሰባት ምጥፋእ ካብ ገፅ ምድሪ ንምጥፋእ ዝተተለሙ መሻገናት ብምዝርጋሕ፣ ሰብ ካብ ፈጣሪ ንምፍላይ፣ ሰብ ምስ ሰብ ንምግጫው፣ ናብርኡ ናይ ፀልማትን መከራን ንምግባር እንትሰርሕ ዝነበረ ዲያብሎስ ኢዩ ክብሉ ኣብሪሆም።

እዚ ክፍኣትን ተንኮልን ብመንፅር ሐዚ ኣብ ኢትዮጵያ ምስ ዘሎ ኩነታት ምርኣይ ኣገዳሲ ከምዝኾነ ብምግላፅ፥ ብድሕሪት ኮይኑ ሃገርና ንምፍራስ መሻገን ዝዝርገሐ፣ ተንኮል ዝሰርሕ ፀላኢ መን ኢዩ ኢልካ ምሕታት ኣገዳሲ ኢዩ ኢሎም።

“ዕላምኡ እዛ ሃገር ንምጥፋእ ጥራሕ ዝኾነ፣ ከጥፈአና እንበር ከፋቕረና ዘይደሊ ፀላኢ መን ኢዩ? ዝኾ ይኹን እንተገበርና እወን እዛ ሃገር እንተዘይጠፊኣ ዘይዓግብ፣ እዚ ፀላኢ ዘዋፍሮም ተለኣኣኽቲ ጥፍኣትስ መን ኢዮም?” ኢልካ ምግንዛብ እውን ኣገዳሲ ምዃኑ ኣብ መልእኽቶም ገሊፆም።

ዝተወሰኑ ንገንዘብ፣ ካልኦት ንረብሓ፣ ካልኦት ድማ ንስልጣን ክብሉ ምስ ናይ ቀደም ፀላእቲ ሓቢሮም ዝሰርሑ እንመን ኢዮም? እዞም ተለኣኣኽቲ ጥፍኣት ባህጎም እኳ እንተማልኡ ገን ንባዕልቶም እውን ሓዊሱ ከጥፈኦም ዝደሊ ናይ ኢትዮጵያ ፀላኢ ድልየት ጥራሕ ኢዩ ኢሎም።

ይኹን አነበር ይሁዳ እውን ከሲሩ ኢዩ፤ ናይ ይሁዳ ካህናት እውን ከሲሮም እዮም። ሮማውያን እውን ከሲሮም እዮም። ስለዚ ተለኣኣኽቲ ጥፍኣት መወዳእተኦም እዚ ኢዩ ክብሉ መልእኽቶም ኣመሓላሊፎም።

ኢትዮጵያ ንምጥፋእ ዝተልዓሉ ኩሎም ንጊዝኡ ዝዕወቱ ይምሰሎም እንበር ኢትዮጵያ ሞይተን ከም ዝቐርያ ሃገራት ኣይኮነትን፤ ካብ ሙታን ክትለዓል ኢያ፤ ፀላእታ እወን ክትስዕር ኢያ፤ ኣሕፊራ ክተኽስሮም ኢያ ኢሎም።

 

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment