ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ምስ ፕሬዚዳንት ጂቡቲ ኣብ ክልቲኣዊን ቀጣናዊን ኩነታት ተዛቲዮም  

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ምስ ፕሬዚዳንት ጂቡቲ እስማኤል ኦማር ጊሌ ኣብ ክልቲኣዊን ቀጣናዊን ኩነታት ብምድሃብ ተዛቲዮም።

ፕሬዚዳንት እስማኤል ኦማር ጊሌ፥ ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ክልተ መዓልታት ዑደት ስራሕ ንመግባር ትማሊ ኣዲስ ኣበባ መእታዎም ይዝከር።

እቶም ፕሬዚዳነት፥ ኣብ ዋና ቤት ዕዮ ኤጀንሲ መረብ ድሕንነት ዑደት ገይሮም።

ድሕሪ እቲ ዑደት ድማ፥ መራሕቲ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ክልቲኣዊን ቀጣናዊን ኩነታት ብምድሃብ ተዛቲዮም።

ኣብ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስቴር ሓላፊት ፕሬስ ሴክሬታሪያት ቋንቋታት ወፃኢን ዲጂታል ሚዲያን ቢልለኔ ስዩም ከምዝበልኡ፥ እቶም መራሕቲ ብቀንዱ ኢትዮጵያን ጂቡቲን ኣብ ትራንስፖርትን ሎጂስቲክስን፣ ሰላምን ድሕንነተን ከምኡወነ ካልኦት ክልቲኣዊ ዛዕባታት በዝምልከት ዘቲዮም።

ብተወሳኺ ቀጣናዊ ምትእስሳር ብዝምልከት መጥንኻር ኣብ ዘኽእሉ ኩነታት ምልዛቦም ገሊፀን።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment