ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ምስ ዋና ፀሓፊ ውሕመ ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ለካቲት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ምስ ዋና ፀሓፊ ውድብ ሕቡራት መንግስታት(ውሕመ) ኣንቶኒዮ ጉተሬዝ ተዛቲዮም።

ኣንቶኒዮ ጉተሬዝ ኣብቲ ዘተ፥ ከይዲ ትግበራ ስምምዕነት ሰላም ኢትዮጵያ ንኢዶም።

ኢትዮጵያ ካብ ውሕመ ሓገዝ ኣብ እትደልየሎም ዛዕባታት ኩሎም ደገፍ ንምግባር ዘሎ ድልየት ንቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ገሊፀሙሎም።

ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ውድብ ሕቡራት መንግስታትን ዘሎ ርክብ ብዝበለፀ ንምጥንኻር ኣብ ዘኽእሉ ዛዕባታት ጠመተ ብምግባር ከምዝተላዘቡ እውን ተገሊፁ።

መበል 36 ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ “ትግበራ ስምምዕነት ናፃ ንግዲ ቀጠና ምቅልጣፍ” ብዝብል መሪሕ ቃል ሎሚን ፅባሕን ክካየድ ኢዩ።

ዋና ፀሓፊ ውድብ ሕቡራት መንግስታት(ውሕመ) ኣንቶኒዮ ጉተሬዝ ኣብቲ ጉባኤ ንምስታፍ ትማሊ ኣዲስ ኣበባ ምእታዎም ይዝከር።

Comments (0)
Add Comment