ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ምስ ሱዳን መዘነኦም፣ ፕሬዚዳንት ሶማሊያን ምክትል ፕሬዚዳንት ደቡብ ሱዳንን

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ታሕሳስ፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ምስ ሱዳን መዘነኦም፣ ፕሬዚዳንት ሶማሊያን ምክትል ፕሬዚዳንት ደቡብ ሱዳንን ተዛቲዮም።

እቶም መራሕቲ ኣብ መበል 38 ህፁፅ ኣኼባ መራሕቲ ኢጋድ ንምስታፍ ጂቡቲ ዝተረኸቡ እንትኾኑ፥ ኣብ ሓበራዊ ጉዳያት ኣድሂቦም ተዛቲዮም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ፈለማ ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ሱዳን ዓብደላ ሓምዶክ ኢዮም ተዛቲዮም።

ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ ክልተኣዊ ጉዳያት ምዝታዮም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ትዊተር ገፆም ኣፍሊጦም።

ብተመሳሳሊ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ምስ ፕሬዚዳንት ሶማሊያ መሓመድ ፋርማጆን ምስ ምክትል ፕሬዚዳንት ደቡብ ሱዳን ሬቢካ ኛንዴንግን እውንተ ተዛቲዮም ኢዮም።

ምስ ፕሬዚዳንት ሶማሊያ መሓመድ ፋርማጆ ኣብ ዝገበሩዎ ዘተ፥ ኣብ ምጥንኻር ርክብ ክልቲአን ሃገራትን ምድንፋዕ ከባቢያዊ ምትእስሳርን ዘድሃበ ከምዝኾነ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ትዊተር ገፆም ገሊፆም።

ምስ ምክትል ደቡብ ፕሬዚዳንት ሬቢካ ኛንዴንግ ኣብ ዝገበሩዎ ዘተ ድማ ኣብ ጉዳይ ሰላም ደቡብ ሱዳን ዘድሃበ ዘተ ከምዝኾነ ገሊፆም።

ኣብ ኣኼባ ንምስታፍ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ሓዊሱ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮንን ሓዊሱ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ዘካተተ ጉጅለ ልኡኽ ናብ ጂቡቱ ኣቕኒዖም ኢዮም።

እቲ ጉባኤ፥ ኣብ ጉዳይ ሰላምን ፀፅታን ምብራቕ ኣፍሪካ ከምኡ እውን ኣብ ጉዳይ ለበዳ ቫይረስኮሮና ክዝቲ ኢዩ ዝብል ትፅቢት ኣሎ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment