ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ምስ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ታሕሳስ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ምስ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ተዛቲዮም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣብ ጉባኤ መራሕቲ ኣፍሪካ-ኣሜሪካ ንምስታፍ ዋሽንግተን ዲ ሲ ይርከቡ።
ጎድና ጎድኒ እቲ ጉባኤ ምስ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ እታ ሃገር ውፅታዊ ልዝብ ከምዝገበሩ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ተዛሪቦም።
ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝነበረ ጎንፂ ሰላማዊ መዕለቢ ንኽረክብ ኣሜሪካ ንዝገበረቶ ፃዕሪ እውን ምስጋና ኣቕሪቦም።
ኣሜሪካ ንብዙሓት ዓሰርተታት ዓመታት ቁልፊ መሓዛ ሃገር ኢትዮጵያ ብምዃን ከምዝፀንሐት ዝገለፁ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር÷ እቲ ምሕዝነት ምጥንኻር ኣብ ዝከኣለሉ ኩነታት ከምዝዘተዩ ገሊፆም።
ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment