ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ(ዶ/ር) ኩሉ ሰብ ተሳታፊ ሓምለዋይ ኣሰር ንክኸውን ፃውዒት ኣቕሪቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኩሉ ሰብ ፈልሲ ብምትካል ተሳታፊ ሓምለዋይ ኣሰር ንክኸውን ፃውዒት ኣቕሪቦም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)ን ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህን ምስ ሰራሕተኛታት ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ብምዃን ሎሚ ንጎሆ ኣብ ፕሮጀክት ጫካ ሃገር ቦቆል ፈልሲታት ሓምለዋይ ኣሰር ተኺሎም።

ብመሰረት እዚ ቀላሚንጦስ ብሃገር ቦቆል ፈልሲታት ናይ ምትካእ ከይዲ ተጠናኺሩ ከምዝቐፀለ ተገሊፁ።

ነዚ ስዒቡ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲየኦም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ኩሉ ሰብ ፈልሲ ብምትካል ተሳታፊ ሓምለዋይ ኣሰር ንክኸውን ፃውዒት ኣቕሪቦም።

ሎሚ ዘበን ዝሳለጥ ዘሎ ምትካል ፈልሲ ምንባር ሓምለዋይ ኣሰር፥ “እትትከል ሃገር ዘፅንዕ ትውልዲ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ዝካየድ ከምዝኾነ ይፍለጥ።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment