ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ(ዶ/ር) ኣብ ሓደ መዓልቲ 150 ሺሕ ኩንታል ናይ ምፍራይ ዓቕሚ ዘለዎ ብሄራዊ ፋብሪካ ስሚንቶ ለሚ መሪቖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ሓደ መዓልቲ 150 ሺሕ ኩንታል ናይ ምፍራይ ዓቕሚ ዘለዎ ብሄራዊ ፋብሪካ ስሚንቶ ለሚ ብምምራቕ ስራሕ ኣጀሚርና ክብሉ ገሊፆም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲየኦም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ እቲ ሜጋ ፕሮጀክት ናይ መንግስትና ብስሉጥ፣ ገዝፈትን ፅርየትን ናይ ምህናፅ ፅኑዕ ቅዋም መርኣያ ኢዩ ኢሎም።

ኣዝዮም ኣድለይቲ ዝኾኑ መሰረተ ልምዓታት ብሰሌጠንን ብቕዓትን ብምዝዛም ድልዋት ናይ ምግባር መርኣያ ከምዝኾነ እውን ሓቢሮም።

እዚ ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ መላእ ሃገር ዘሎ ተመሳሳልቲ ፋብሪካታት ተደሚሮም ናይ ዘፍርይኡ 50 ሚኢታዊት ዘፍሪ ፋብሪካ ዕላዊ ንክኸውን ንዝተሳተፉ ኩሎም እንቋዕ አሐጎሰኩም ኢሎም።

እቲ ፕሮጀክት ተመሳሳሊ ጠንካራ ስራሕ ብምስራሕ መፃኢ ትውልዲ ድኽነት ንከይወርስ ይኹን እንበር ንምዕባለ እወንታዊ መደላድል ከምዝፅበ ዘርእይ ኢዩ ክብሉ ገሊፆም።

ከም ለሚ ዝበሉ ፕሮጀክትታት ኢንዱስትሪ ኣብ መልላእ ሃገር እንተተተኺሎም ብምህዞ ስራሕን ሃገራዊ ምዕባለን ዘህልዎ ብዙሕ ፍረ ልዑል ከምዝኸውን ተዛሪቦም።

ብፍላይ ኣብ ሓፂነ መፂን፣ ዘበናዊ ዱኽዒ ኢሉ እውን ኣብ ምስፋሕ ልምዓት ኢንዱስትሪን ግብርናን ዝህልዎ እወንታዊ ፅልዋ ሰፊሕ ከምዝኾነ ኣብ መልእኽቶም ኣብሪሆም።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment