ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ(ዶ/ር)ን ቀዳማዊት እመቤት ዝናሽ ታያቸውን ኣብ ወረዳ ገዜ ጎፋ ብዘጋጠመ ጋህሲ መሬት ንዝተጎድኡ ወገናት ኣፅናዕኒዖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)ን ቀዳማዊት እመቤት ዝናሽ ታያቸውን ክሳብ ሐዚ 231 ዜጋታት ህይወቶም ብዘስኣነ ጋህሲ መሬት ዞባ ጎፋ ዝተጎድኡ ቤተሰብን ማሕበረሰብን ብኣካል ንምፅንዕናዕ ኣብቲ ቦታ ተረኺቦም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትርን ቀዳማዊት እመቤትን ሓዊሱ፥ ነበር ቀዳማይ ሚኒስትር ሃይለማርያም ደሳለኝ፣ ነበር ኣፈ ጉባኤ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣባዱላ ገመዳ፣ ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ፌዴራልን ክልልን ኣብቲ ቦታ ብምርካብ ቤተሰብ ግዳያት ከምዘፅናዕንዑ ኣብ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ነቶም ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ብማሕበረሰብን ሓለፍቲ ስራሕን እቲ ክልል ኣቀባብላ ከመዝተገበረሎም እውን ተገሊፁ።

 

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment