ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ሰነ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ብሪታኒያ ቦሪስ ጆንሰን ብምኽኒያት ዘጋጠሞም ናይ መሪሕነት ቅልውላው ካብ ስልጣኖም ንክወርዱ ምውሳኖም ኣፍሊጦም።
ልዕሊ 30 ኣባላት ካቢነ ሚኒስተራትን ኣብ ልዕሊኦም ዘለዎም እምነት ከምዝጎደለ ብምግላፅ ኣብ ውሽጢ ክልተ መዓልታት ካብ መዝነቶም ድሕሩ ምውራዶም’ዮም እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ስልጣኖም ከረክቡ ወሲኖም ዘለዉ ተባሂሉ።
ሎሚ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ፥ ስልጣኖም ኣብ ሓፂር እዋን ምቑፃዩ ዘጉሂ ምዃኑ ሓቢሮም።
ክሳብ ሓድሽ መራሒ ገዛኢ ኮንሰርቫቲቭ(ዓቃባዊ) ሰልፊን ቀዳማይ ሚኒስትርን ዝምረፅ ከምዝፅበዩ ተዛሪቦም።
እንተኾነ ብዙሓት ኣባላት እቲ ንሶም ዝመርሕዎ ሰልፊ ይኹን መራሕቲ ተቓወምቲ ሰልፍታት ብህፁፅ ካብ ስልጣኖም ክወርዱ ይፅውዑ ኣለዉ ተባሂሉ ክብል ቢቢሲ ፀብፂቡ።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።