ቀዳማይ ሚኒስትር ሱዳን ዓብደላ ሃምዶክ ስልጣኖም ለቒቖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ታሕሳስ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ሱዳን ዓብደላ ሃምዶክ ስልጣኖም ለቒቖም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስት ንህዝቢ ሱዳን ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ፤ ስልጣን ምልቃቖም ዕላዊ ገይሮም።

ሱዳን ኣብ ቀረባ እዋን ወታደራዊ ዕልዋ መንግስቲ ምግባራ ስዒቡ ኣብ ውሽጢ ፖለቲካዊ ናዕቢ ትርከብ።

መፈንቅለ መንግስቲ ዝገበረ ወታደራዊ ሓይሊ ኣሲሩዎም ዝነበረ ቀዳማይ ሚኒስትር ሓምዶክ ካብ እሱር ፈቱሑ ናብ ስልጣን ይመልሶም እምበር ናይታ ሃገር ናዕቢ ፖለቲካ ይኹን ህዝባዊ ተቓውሞ ክሃድእ ኣይከኣለን።

እቶም ቀዳማይ ሚነስትር ምስ ወታደራዊ መራሒ ኣልቡርሃን ዝበፅሑዎ ስምምዕነት ብወገን ሲቪል ፖለቲካ ኣይተፈተወን።

ኣብ መወዳእታ ድማ እቶም ቀዳማይ ሚኒስት ኣብ ፖለቶካ ሱዳን ፅዕንቶ ክፈጥሩ ከምዘይከኣሉን ዝኣተዉዎ ቃል ክሕልዉ ብዘይምኽሎምን ስልጣኖም ንምልቃቕ ከምዝተገደዱ ተዛሪቦም።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment