ኣዲስ ኣበባ ፣ 19 ጉንበት፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ማሊ ሞካር ኦዋንን ፕሬዚዳትን እታ ሃገር ባህ ንዳውንን ብወተሃደራዊ ሓይሊ ድሕሪ ምእሳሮም ስልጣኖም ለቒቖም።
ብጊዚያዊ ምክትል ፕሬዚዳትን ኣሲሚ ጎይታ ዝምራሕ እቲ ብወተሃደራዊ ሓይሊ፥ ንቀዳማይ ሚኒስትር ሞካር ኦዋንን ፕሬዚዳትን ባህ ንዳውንን ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ብምውዓል ናብ መዓስከር ጦር ሰራዊት ወሲዶምዎም ኢዮም።
እቲ ወታደራዊ ሓይሊ ዝወሰዶ ስጉምቲ፥ ዴሞክራሲያዊ ጉዕዞ ማሊ ንደሓር ዝጎትት ኢዩ ብምባል እናተኾነነ ይርከብ፡፡
ሓጋዚ ምክትል ፕሬዚዳትን የጎታ ዝኾኑ ባባ ሲሴ፥ “ቀዳማይ ሚኒስትር ሞካርን ፕሬዚዳትን ባህን ስልጣኖም ለቒቖም ኢዮም፤ ናፃን ሓዱሽን መንግስቲ ንምጥያሽ ልዝብ እናተኻየደ ኢዩ” ክብሉ ንሮይተርስ ኣብ ዝሃቡዎ መብርሂ ገሊፆም፡፡
ኣብታ ሃገር ዝተፈጠረ ጎንፂ ንምዕዛብ ብነበር ፕሬዚዳንት ናይጄሪያ ጉድላክ ጆናታን ተመራው ኢኮዋስ ልኡኽ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትርን ፕሬዚዳንትን ስልጣኖም ከምዝለቐቑ ኣረጋጊፆም።
ቤት ምኽሪ ፀፅታ ውድብ ሕቡራት መንግስታት፥ ብወተሃደራዊ ሓይሊ ማሊ ዝተኣሰሩ ሰብ መዚ ብዘይምንም ወዓል ሕደርን ቅድመ ኩነትን ክለቁዎም ፀዊዑ ኢዩ፡፡
ፍልፍል፦ ኣልጀዚራ
እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ
ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5…
ይግበሩ/ራ!