ቀዳማይ ሚኒሰትር ኣቢይ ምስ ቀዳመይቲ ሚኒስትር ጣሊያን ፕሬዚዳንት ሶማሊያን ዘቲዮም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 7 ሚያዝያ፣ 2015(ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒሰትር ኣቢይ ኣሕመድ ምስ ቀዳመይቲ ሚኒስትር ጣሊያን ጆርጂዮ ሜሎኒን ፕሬዚዳንት ሶማሊያ ሃሰን ሼኽ መሓሙድን ዘቲዮም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ምስቶም መራሕቲ ኣብ ዝገበርዎ ዘተ፥ ሰለስቲኣዊ ምትሕብባር ንምጥንኻር ዝዓለመ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ኣብ ጉዳያት መሰረተ ልምዓትን ኢኮኖሚን ብሓባር ምስርሖም ኣጠናኺሮም ምቕፃል ኣብ ዘኽእሉ ጉዳያት ምልዛቦም ተሓቢሩ።

ቀዳመይቲ ሚኒስትር ጣሊያን ጆርጂዮ ሜሎኒን ፕሬዚዳንት ሶማሊያ ሃሰን ሼኽ መሓሙድን ዕላዊ ዑደት ስራሕ ንምክያድ ትማሊ ኣዲስ ኣበባ ምእታዎም ይዝከር።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment