ቀዳማዊት እመቤት ዝናሽ ታያቸው ኣብ ዞባ ምዕራብ ሸዋ ወረዳ ኣምቦ ንዝህነፅ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ እምነ ኹርናዕ ኣንቢረን

ኣዲስ ኣበባ ፣ 2 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቀዳማዊት እመቤት ዝናሽ ታያቸው ኣብ ዞባ ምዕራብ ሸዋ ወረዳ ኣምቦ ንዝህነፅ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ኢፋ ቦሩ ሎሬት ፀጋየ ገብረመድህን እምነ ኹርናዕ ኣንቢረን።

ካብ መሸጣ መፅሓፍ ምድማር ዝርከብ ኣታዊ ዝህነፅ እቲ ቤት ትምህርቲ፥ ትውልዲ ቦታ ሎሬት ፀጋየ ገብረመድህን ኣብ ዝኾት ጣቢያ ቦሩ ጎረምቲ ኢዩ እምነ ኹርናዕ ተነቢሩ ዘሎ።

ንመህነፂ እቲ ቤት ትምህርቲ ዝኸውን ብር 14 ሚሊየን ከምዝተመደበ እውን ተገሊፁ።

ኣብቲ መርሃ ግብሪ ምንባር እምነ ኹርናዕ፥ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኦሮሚያ ኣይተ ሽመልስ ኣብዲሳን ሓላፊ ቢሮ ትምህርቲ እቲ ክልል ዶክተር ቶሎሳ በሪሶን ሓዊሱ ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ምርካቦም ካብ ቤት ፅሕፈት ቀዳማዊት ቤት ፅሕፈት ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

Comments (0)
Add Comment