ቀዳማዊት እመቤት ዝናሽ ታያቸው ኣብ ከተማ ጋምቤላ ዘህነፀኦ 2ይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ኣመሪቐን

ኣዲስ ኣበባ ፣ 14 ጥሪ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ቤት ፅሕፈት ቀዳማዊት ካብ ዘህነፆም 20 ካልኣይ ብርኪ ኣቢያተ ትምህርቲ እቲ መበል 11 ኣብ ክልል ጋምቤላ ኣመሪቑ።

እቲ ቤት ፅሕፈት፥ ኣብቲ ክልል ከተማ ጋምቤላ ጣቢያ 05 ብብር 13 ነጥቢ 8 ሚሊየን ዘህነፆ ብርሃን ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ኣመሪቑ፡፡

ኣብቲ ስነ-ስርዓት ምረቓ ድማ ቀዳማዊት እመቤት ወይዘሮ ዝናሽ ታያቸው፣ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ጋምቤላ ኣይተ ኡሞድ ኡጁሉን ካልኦት ሓለፍቲ ስራሕን ተረኺቦም።

እተ ቤት ትምህርቲ ኣብ ውሽጡ ህንፃ ምምሕዳር፣ መምሃሪ ክፍሊታት፣ ቤተ ፈተነ፣ ኣቢያተ መፃሕፍቲ፣ መእከቢ ኣዳራሽን መናፅሂን ዘካተተ ኢዩ፡፡

እቲ ቤት ትምህርቲ ብክልተ ክፍለ ግዘ 1 ሺሕን 800 ተምሃሮ ናይ ምቕባል ዓቕሚ ከምዘለዎ ተገሊፁ፡፡

ብፍሬህይወት ሰፊው

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

Comments (0)
Add Comment