ቀዳማዊት እመቤት ዝናሽ ታያቸው ኣብ ከተማ ባህርዳር ንዝርከቡ ጉዱኣት ኣካል ሓገዝ ዊልቸር ገይረን

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 መስከረም፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቀዳማዊት እመቤት ዝናሽ ታያቸው ኣብ ከተማ ባህርዳር ንዝርከቡ ጉዱኣት ኣካል ሓገዝ ዊልቸር ገይረን።

እቲ ዝተገበረ ሓገዝ ዊልቸር ጉዱኣት ኣካል ካብ ቦታ ናብ ቦታ ምንቅስቓስ ንኽኽእሉ ኣስተዋፅኦ ኣለዎ ተባሂሉ።

እተን ቀዳማዊት እመቤት ኣብ ከተማ ባህርዳር ዝርከብ ትካል ልምዓት ህፃናትን ማሕበረሰብን ኢየሩሳሌም ተረኺበን ዑደት ኣካይደን።

ቤት ፅፈት ቀዳማዊት እመቤት ምስ ትካል ልምዓት ህፃናትን ማሕበረሰብን ኢየሩሳሌም ብምትሕብባር ነብሰን ሸይጠን ዝሓድራ ደቂ ኣንስትዮ ብወለንተአን ናብ ስሩዕ ህይወተን ንምምላስ ስልጠና እናሃበ ከምዝርከብ ተገሊፁ።

ብመሰረት እዚ ድማ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብቲ ማእኸል ን17 ሰልጠንቲ ስለጥና ክእለት፣ ግልጋሎት ምምኻር ስነ ኣእምሮን ስልጠና ሞያን እናተውሃበን ይርከብ።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣርባዕተ ደቂ ኣንስትዮ ካብቲ ዝነበረኦ መነባብሮአን ተናጊፈንናብ ስራሕቲ ንግዲ ዝተዋፈራ እንትኾና፥ ኣብ ቀረባ እዋን ድማ 20 ደቂ ኣንስትዮ ናብቲ ማእኸል ክኣትዋ ኢየን ተባሂሉ።

ኣብዝሓለፈ ዓመት ዝተጀመረ እቲ ፕሮጀክት ንኣርባዕተ ዓማውቲ ዝቕፅል ኮይኑ፥ 695 ደቂ ኣንስትዮ ንምስልጣን ትልሚ ከምዝሓዘ እውን ተሓቢሩ።

ብኣላዛር ታደለ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

 

Comments (0)
Add Comment