ቀዳማዊት እመቤት ዝናሽ ታያቸው ኣብ ሃዋሳን ከባቢኣን ንዝርከቡ ጉዱኣት ኣካል ሓገዝ ዊልቸር ገይረን

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማዊት እመቤት ዝናሽ ታያቸው ኣብ ሃዋሳን ከባቢኣን ንዝርከቡ ጉዱኣት ኣካል ሓገዝ ዊልቸር ገይረን።

ቤት ፅሕፈት ቀዳማዊት እመቤት ኣብዛ ሃገር ካብ ዝሰርሖም ስራሕቲ ሓደ ጉዱኣት ኣካል ንዝኾኑ ወገናት ክንክን ምግባር ኢዩ ተባሂሉ፡፡

ቅድሚ ሕዚ እውን ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታትን ከባቢታትን ሓገዝ ዊልቸር ምግባሩ ይዝከር፡፡

እተን ቀዳማዊት እመቤት ሎሚ መዓልቲ እውን ኣብ ክልላት ደቡብን ሲዳማን ተረኺበን ን28 ጉዱኣት ኣካል ሓገዝ ዊልቸር ገይረን ኣለዋ፡፡

ድጋፉ የተገኘው ሞቢሊቲ ወርልድ ከተባለ ዓለም አቀፍ ግብረሰናይ ድርጅት መሆኑን ጽህፈት ቤቱ ገልጿል

እቲ ሓገዝ፥ ሞቢሊቲ ወርልድ ካብ ዝተብሃለ ዓለም ለኸ ትካል ገባሪ ሰናይ ዝተረኸበ ከምዝኾነ እቲ ቤት ፅሕፈት ገሊፁ፡፡

ናብ ውሽ ዓዲ ዘእተዎ ድማ የኣብ ሜዲካል ሴንተር ምስ ዝተብሃለ ሃገር በቆል ትካል ገባሪ ሰናይ ብምትሕብባር ኢዩ፡፡

ብፍሬህይወት ሰፊው

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

Comments (0)
Add Comment