ቀዳማዊት እመቤት ዝናሽ ታያቸው መመርመሪ ማሽን ኢኢጂ ዝተብሃለ ዘውድቕ ሕማም ንሆስፒታላት ኣረኪበን

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ሕዳር፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማዊት እመቤት ዝናሽ ታያቸው መመርመሪ ማሽን ኢኢጂ ዝተብሃለ ዘውድቕ ሕማም ንሆስፒታላት ኣረኪበን።

እቲ ማሽን መመርመሪ ሕክምና ሓንጎል ብምዃን እውን ዘገልግል ኢዩ ተባሂሉ።

ብቴክኖሎጂን ካሜራን ዝተሓገዘ ምርመራ ብምግባር ግቡእ ሕክምና ንምርካብ ልዑል ዓቕሚ ዘለዎ ከምዝኾነ እውን ተገሊፁ።

ንስፔሸላይዝድ ሆስፒታል ጥቁር ኣንበሳ፣ ሆስፒታል ጦር ሃይሎች፣  ሆስፒታል ኣዳማ፣ ሆስፒታል ሶዶ ክርስቲያን፣  ሪፈራል ሆስፒታል ጂግጂጋ፣ ሓፈሻዊ ሆስፒታል ጎንደርን ሆስፒታል ዓይደርን ኣበርኪተን።

ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር መቅደስ ዳባ፥ ኣብ ክሊ ሕማም ኣእምሮን ሕክምንኡን መሳርሒ ሕክምናን ሕፅረት ሞያተኛታትን ከምዘሎ እውን ተዛሪበን።

ብፍሬህይዎት ሰፊው

Comments (0)
Add Comment