ቀዳማዊት እመቤት ቻይና ዝርገሐ ቫይረስ ኮሮና ንምቁፅፃር ዝሕግዙ ኣቑሑት ንኢትዮጵያ ሓገዝ ገይረን

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ነሓሰ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቀዳማዊት እመቤት ቻይና ፒንግ ሊዋን ዝርገሐ ቫይረስ ኮሮና ንምቁፅፃር ዝሕግዙ ኣቑሑት ንኢትዮጵያ ሓገዝ ገይረን።

እተን ቀዳማዊት እመቤት እቶም ኣቑሑት መከላኸሊ ቫይረስ ኮሮና ሓገዝ ከምዝገበራ ቤት ፅሕፈት ቀዳማዊት እመቤት ኢትዮጵያ ኣብ ዘውፀኦ ሓበሬታ ኣፍሊጡ።

ቀዳማዊት እመቤት ቻይና ንኢትዮጵያ ዘበርከተኦ ሓገዝ፥ 18 ሺሕ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን (ማስክ) ከምኡ እውን 120 መለክዒ መጠን ረስኒ ከምዝኾኑ እቲ ቤት ፅሕፈት ገሊፁ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

Comments (0)
Add Comment