ቀዳመይቲ ሚኒስትር ጣልያን ንዕላዊ ዑደት ስራሕ ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣቲየን

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ሚያዝያ፣ 2015(ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳመይቲ ሚኒስትር ጣልያን ጆርጂያ ሜሎኒ ዕላዊ ዑደት ስራሕ ንምግባር ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣቲየን።

እተን ቀዳመይቲ ሚኒስትር ኣብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ እንትበፅሓ ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ኣቢይ ኣሕመድ ኣቀባብላ ገይሮምለን ክብል ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡

ጆርጂያ ሜሎኒ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝህልወን ናይ ክልተ መዓልቲ ፃንሒት ምስ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲን ሕብረት ኣፍሪካ ክዛተያ ኢየን ዝብል ትፅቢት ኣሎ።

ዑደት እተን ቀዳመይቲ ሚኒስትር፥ ጣልያን ንኢትዮጵያ ትገብሮ ሰብኣዊን ልምዓታዊን ሓገዝ ምጥንኻር ኣብ ዝከኣለሉ ኩነታት ንምዝታይ ከምዝኾነ እውን ተሓቢሩ።

እቲ ዑደት ምሕዝነት ኢትዮጵያን ጣሊያንን ንምጥንኻር ዝዓለመ ከምዝኾነ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣፍሊጡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment