ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ከተማ ልምዓትን ኮንስትራክሽንን ፀጋታት ከባቢ መፍጠሪ ዕድል ስራሕ ክኾኑ ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቡ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 1 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ከተማ ልምዓትን ኮንስትራክሽንን ትራንስፖርትን ፀጋታት ከባቢ መፍጠሪ ዕድል ስራሕ ክኾኑ ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቡ።

እቲ ኮሚቴ ኣፈፃፅማ በጀት መንፈቕ ዓመት 2013 ዓ.ም ኤጀንሲ ውሕስና ምግቢን ፈጠራ ዕድል ስራሕ ከተማታትን ገምጊሙ፡፡

ዋና ዳይሬክተር እቲ ኤጀንሲ ኣይተ ገብረመስቀል ጫላ፥ ፍልፍል ማእኸላት ፈጠራ ዕድል ስራሕ ንምጥያሽ ብምትላም ኣብ መንፈቕ ዓመት ዳህሳስ መፅናዕቲ ብምክያድ ኣብ ከክልል ክኽፈቱ ዝኽእሉ ማእኸላት ምፍላይ ተኻኢሉ ኢዩ ኢሎም፡፡

ሓደሽቲ ኣማራፂታት ስራሕ ብመፅናዕቲ ብምፍላይ ሽዱሽተ ሞዴል ትልሚ ንግዲ ብምድላው ንክልላት ምክፍፋሎም እውን ገሊጾም፡፡

ብኻሊእ መዳይ ተዘዋዋሪ ፈንድ ልቓሕ ንምምላስ ግብሪ ሓይሊ ተዋዲዱ እናተሰርሐ ምዃኑ ዝገለፁ እቶም ዋና ዳይሬክተር፥ እቲ ፀገም ካብ ፍልፍሉ ንምፍታሕ ኣዋፃኢ ንዘይኮነ ቢዝነስ ፕላን ልቓሕ ክወሃብ ከምዘይብሉ ኣብሪሆም፡፡

ብምዃኑ ድማ ቀዋሚ ባንኪ ደቀቕቲን ኣናእሽቲን ኢንተርፕራይዛትን መደንፍዒ ማእኸላት ፈጠራ ዕድል ስራሕን ንምጥያሽ ከምኡ እውን ምስ ትካላት መሰልጠኒ ቴክኒክን ሙያን ብምውዳድ ንደለይቲ ስራሕ ዕዳጋ ተኮር ስልጠና ከምዝተውሃበ ብጥንኩር ጎኑ ኣመልኪቱዎ፡፡

ብመንፅር ሓገዛት መንግስቲ ተበፃሒ ኣብ ምግባር መስርሒን መሸጢን ሼዳት ንምህናፅን መሰረተ ልምዓታት ንምምላእ፣ ልቓሕ ንምቕራብ፣ ግልጋሎት ኤክስቴንሽን ኢንዱስትሪ ንመሃብን ምትእስሳር ዕዳጋን ንምፍጣርን ዝተገበሩ ሓገዛት ኣድህቦ ዝደሊዩ ምዃኖም ኣመላኺቱ፡፡

ኣካቢ እቲ ቀዋሚ ኮሚቴ ኣይተ ኣሸናፊ ጋኢሚ ብግደኦም፥ ቀዋሚ ባንኪ ደቀቕቲን ኣናእሽቲን ኢንተርፕራይዛትን ንምጥያሽ እናተሰርሐ ዘሎ ስራሕ ብጥንኩር ጎኑ ኣልዒሎም፤ ይኹን እምበር እቲ ኤጀንሲ ፀጋታት ከባቢ መማረፅቲ ፈጠራ ዕድል ስራሕ ገይሩ ኣብ ምጥቃም ዘለዉዎ ድኽመታት ፈቲሑ ክሰርሕ ከምዝግባእ ምግላፆም ካብቲ ባይቶ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

 

Comments (0)
Add Comment