ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ትካላት ልምዓት መንግስቲ ኢንዱስትሪ ፓርክ ኣዳማ ኣብ ዕቤት ፍርያት ኤክስፖርት ትኹረት ንኽገብር ኣተሓሳሲቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 መጋቢት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ትካላት ልምዓት መንግስቲ ኢንዱስትሪ ፓርክ ኣዳማ ኣብ ዕቤት ፍርያት ኤክስፖርት ትኹረት ብምግባር ሃገር ካብቲ ዓውዲ ክትረኽቦ ዝግባእ ረብሓ ንኽትረክብ ትኹረት ክገብር ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቡ።

ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ትካላት ልምዓት መንግስቲ፤ ኣብቲ ኢንዱስትሪ ፓርክ ዘሎ ምንቅስቓስ ስራሕቲ ዝተዓዘበ እንትኸውን፥ ኣብ እዋን እቲ ዑደት ምስ ኣመራርሓታት፣ ሰራሕተኛታትን ምስ ተወከልቲ ሰብሃፍቲን እቲ ፓርክ ተዛቲዮም፡፡

ኣብ 102 ሄክታር መሬት ዝዓረፈ ኢንዱስትሪ ፓርክ ኣዳማ፥ ካብ ዘለዉዎ 19 ሼዳት እቶም 16 ብሰብሃፍቲ ዝተትሓዙ ከምዝኾኑ፣ ስራሕ ከምዝጀመሩን 8 ሺሕ ንዝኾኑ ዜጋታት ዕድል ስራሕ ከምዝተፈጠረን ተገሊፁ፡፡

ኣብ በጀት ዓመት 2015 ዓ.ም ክሳብ ሕዚ ጥራሕ 8 ሚሊየን ዶላር ሸርፊ ወፃኢ ክርከብ ምኽኣሉ እቲ ቀዋሚ ኮሚቴ ብጥንኩር ጎኑ ተመልኪቱዎ።

መራሒ ጉጅለ ተዓዛቢ እቲ ቀዋሚ ኮሚቴ ዘውዱ ታደሰ ኣብቲ እዋን ከምዝበሉዎ፥ ኣብዚ ሕዚ እዋን ዘሎ ኩነታት ዝሐሸን ተስፋ ዝህብን ኢዩ፡፡

ኩሎም ሰብ ሃፍቲ ትኹረቶም ኣብ ንግዲ ኤክስፖርትን ዝተጣየሸሉ ዕላማ ኣብ ምዕዋትን ንኽገብሩ ፃዕሪ ምግባር ከምዝግባእ እውን ኣገንዚቦም፡፡

መሃያ ሰራሕተኛታት ዘለ ምኽባር ናብራ ኣብ ግምት ዘየእተወ ብምዃኑ፥ ኣብ ከይዲ ንምስሓብ ሰብሃፍቲ ሕሳር ጉልበት ሓይሊ ሰብ ዝብል ግንዛበ እውን ክዕሪ ከምዘለዎ ኣተሓሳሲቦም።

እቲ ትካል ንሰራሕተኛታት ምቹው ከባቢ ምፍጣርን ምስ ዩኒቨርሲቲታት ብምውዳድ ምስራሕ ከምዝግበኦ ምግላፆም ካብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment