ቀረብ ሰብኣዊ ሓገዝ ምምሕያሽ እንተርኣየ እውን ምስ ዘሎ ድልየት እንትነፃፀር ኣይመጣጠንን-ነበርቲ ክልል ትግራይ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 25 ለካቲት ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ስምምዕነት ሰላም ስዒቡ ቀረብ ሰብኣዊ ሓገዝ ምምሕያሽ እንተርኣየ እውን ምስ ዘሎ ድልየት እንትነፃፀር ኣይመጣጠንን ክብሉ ነበርቲ ክልል ትግራይ ተዛሪቦም።

ኣብ ሰሜናዊ ኢትዮጵያ ዝነበረ ጎንፂ ስዒቡ ካብ ኣፍራይነት ናብ ተሓገዝቲ ምቕያሮም ዝተዛረቡ እቶም ነበርቲ፥ ናብ ስሩዕ ሰርሖም ንምምላስ ድልየት ከምዘለዎም ኣብሪሆም።

ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣብቲ ክልል ብዝገበሮ ፃንሒት፥ ስራሕቲ ሓገዝ ብመንገስቲን መዳርግቲ ትካላትን ይካየድ ኣሎ።

ይኹን እንበር ቀረብ ሰብኣዊ ሓገዝ ምምሕያሽ እንተርኣየ እውን ምስ ዘሎ ድልየት እንትነፃፀር ኣይመጣጠንን ኢሎም እቶም ነበርቲ።

ኣብቲ ሓገዝ ዘይተኻተቱ ሰባት ከምዘለዉ አወን ሓቢሮም።

ኣብ ከተማ ሽረ ኣተሓባባሪ ሰብኣዊ ሓገዝ ታዬ ማሞ፥ ኣብ ኣወሃህባ እቲ ሓገዝ ዝረኣዩ ፀገማት ከምዘለዉ ኣረጋጊፆም።

እቲ ፀገም፥ ኣብዝሓ ነበርቲ ካብቲ ከባቢ ተፈናቒሎም ብምንባሮም፣ መንግስታዊ መሓውራት ብምፍራሶምን ቁፅሪ ተሓገዝቲ ምስ ቀረብ ዘይምምጥጣኑን ከምዝኾነ ገሊፆም።

ኣብዚ ሐዚ እዋን ቁፅሪ ተሓገዝቲ ከምዝወሰኸ ብምሐባር፥ ዓለም ለኸ ደረጅኡ ዝሓለወ ደገፍ ካብ ትማሊ ጀሚሩ ኣብ ከተማ ሽረን ከባቢኣን ን140 ሺሕ ዜጋታት ደገፍ ከምዝተገበረ ሓቢሮም።

ነበርቲ ስሩዕ ስርሖም ንክጅምሩ እቲ ዝተጀመረ ሰላም ክጠናኸር ከምዝግባእ ሓቲቶም።

ብኣፈወርቅ እያዩ

 

Comments (0)
Add Comment