ሽዱሽተ ስፍራታት ኢኮ ቱሪዝም ብዓለም ለኸ ትካል ቱሪዝም ኣፍልጦ ረኺቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ነሓሰ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሽዱሽተ ስፍራታት ኢኮ ቱሪዝም ብዓለም ለኸ ትካል ቱሪዝም ኣፍልጦ ከምዝረኸቡ ሚኒስቴር ቱሪዝም ኣፍሊጡ።

እቲ ሚኒስቴሩ ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ከምዝበሎ፥ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዘለዊዉ ስፍራታት ቱሪዝም ንመስሕብ ቱሪስት ንክውዕሉ ይስራሕ ኣሎ ኢሉ።

ብመሰረት እዚ ሽዱሽተ ስፍራታት ኢኮ ቱሪዝም ብዓለም ለኸ ትካል ቱሪዝም ኣፍልጦ ረኺቦም።

ኣፈፃሚ ስራሕ ርክብ ህዝቢ እቲ ሚኒስቴር ኣለማየሁ ጌታቸው፥ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ጎቦ ጮቄን ወንጪን ስፍራታት ኢኮ ቱሪዝም ብትካል ቱሪዝም ዓለም ኣፍልጦ ንክረኽቡ ከምዝተገበረ ተዛሪቦም።

ኣብዚ ሐዚ እዋን ድማ ተወሰኽቲ መስሕብ ቱሪዝም ክኾኑ ዝኽእሉ፥ ኣብ ክልል ኦሮሚያ፣ ኣምሓራ፣ ደቡብ ኢትዮጵያን ማዕከላዊ ኢትዮጵያን ዝርከቡ ስፍራታት ብመፅናዕቲ ናይ ምፍላይ ስራሕ ከምዝተሰርሐ ሓቢሮም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

Comments (0)
Add Comment