ሽቦታት ኤሌክትሪክ እናበተኹ ዘጎዓዕዙ ዝነበሩ ውልቀ ሰባት ኣብ ቁፅፅር ሕጊ ውዒሎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሽቦታት ኤሌክትሪክ እናበተኹ ካብ ገብረ ጉራቻ ናብ ኣዲስ ኣበባ ንምእታው ዝፈተኑ ውልቀ ሰባት ኣብ ቁፅፅር ሕጊ ውዒሎም።

እቶም ውልቀ ሰባት ምስ ቁርፅራፅ ሓፂመፂንን ፕላስቲክን ሓዋዊሶም እንተጎዓዕዙ ኣብ ጣቢያ ፍተሻ ሱሉልታ እንትበፅሑ ሕብረተሰብ ብመሰረት ዝሃቦ ሓበሬታ ከምዝተትሓዙ ካብ ርክብ ህዝቢ ኮሚሽን ፖሊስ ፌዴራል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረደእ።

ኣብ ልዕሊ መሰረተ ልምዓት ዝበፅሕ ጉድኣት ህዝብን መንግስትን ዝጎድእ ተግባር ስለዝኾነ፥ ነዚ ዝፍፅሙ ኣካላት ብሕጊ ተሓተትቲ ነምግባር ዝስራሕ ስራሕ ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ተገሊፁ።

Comments (0)
Add Comment