ሽልማት ኖቤል ሰላም እወንታዊ ገፅታ ሃገርና ንዓለም ንምፍላጥ ዘኽእል ፅቡቕ ዕድል ሒዙ ዝመፅአ ኢዩ-ቀዳማይ ሚኒስትር ዶ/ር ኣቢይ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ሽልማት ኖቤል ሰላም ዓመተ 2019 እወንታዊ ገፅታ ኢትዮጵያ ንዓለም ንምፍላጥ ዘኽእል ፅቡቕ ዕድል ሒዙ ዝመፅአ ከምዝኾነ ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ተዛሪቦም።

ሎሬት ኖቤል ሰላም ዓለም ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ሎሚ ንጎሆ ኣብ ዓለም ለኻዊ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ፣ ኣዲስ ኣበባ እንትበፅሑ ድሙቕ ኣቀባብላ ተገይሩሎም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ድሕሪ እቲ ድሙቕ ኣቀገባብላ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለፂ፥ ሽልማት ኖቤል ሰላም እወንታዊ ገፅታ ኢትዮጵያ ንዓለም ንምፍላጥ ዘኽእል ፅቡቕ ዕድል ሒዙ ዝመፅአ ከምዝኾነ ሓቢሮም።

እቲ ዝተረኸበ ዕድል፥ ብምስምዕማዕ፣ ብምድምማፅን ሃገራዊ ፍቕሪ ብምልባስን ኢትዮጵያ ኣብ ምምዕባል ክንጥቀመሉ ይግባእ እውን ኢሎም።

እቲ ሽልማት ንክርከብ ንዝገበሩ ህዝብታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ብፍላይ ፕሬዚዳነት ኤርትራ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ አመስጊኖም።

ከም ኣገላልፃ ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ፥ ሽልማት ኖቤል ሰላም ኢትዮጵያ፣ ኤርትራን ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪካን ብብርኪ ዓለም ልዑል ትኹረት ንክረኽባ ዝገበረ ኢዩ።

ኮሚቴ ኖቤል ሰላም ንዝፈልጦ ፀዊዑ ሽልማት ዝሃበ እኳ እንተኾነ፥ “ኣነ ነቲ ሽልማት እንትቕበል ንኹሉ ብምውካል ብምዃኑ፤ እቲ ሽልማት ንህዝቢ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝተውሃበ ኢዩ” ኢሎም።

ድኻታት እኳ እንተኾንና በቲ ሽልማት ኣቢልና ናይ ባዕሊና ባህሊን ታሪክን ዘለና ንምንጋስ ሰላም ፃዕሪ እንገብር ህዝቢ ምዃንና ብተግባር ኣረጋጊፅና ኢና ኢሎም።

ስለዝኾነ ኢትዮጵያ እወንታዊ ታሪካ ከምብሓዱሽ ዝሕደሰሉ ዕድል ብምዃኑ ብሓባር ብምዃን ምዕብልቲ ሃገር ንምህናፅ ክንረባረብብ ይግባእ ኢሎም።

ኢትዮጵያ ብዙሓት ጀጋኑ ዝወነነት ሃገር ምዃና ይፍለጥ ኢዩ ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ ጅግና ንላዕሊ ዘውፅእ መሳልል አንተዘይብሉ ኣብ ዝደሊዮ ጫፍ ክበፅሕ ስለዘይኽአል እቲ ሓደ ነቲ ካሊእ ኣብ ምድጋፍን ምድግጋፍን ክንነጥፍ ይግባእ ክብሉ ተዛሪቦም።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment