ሻድሻይ ሃገራዊ ምርጫ ንምስላጥ ዘኽእሉ ንዋታት ካብ ወፃኢ ዓዲ ብምግዛእ ድልዊ ከምዝገበረ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 14 መስከረም፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሻድሻይ ሃገራዊ ምርጫ ንምስላጥ ዘኽእሉ ንዋታት ካብ ወፃኢ ዓዲ ብምግዛእ ናብ ውሽጢ ዓዲ ኣእቲዩ ድልዊ ከምዝገበረ ብሄራዊ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

ወርሒ መጋቢት 2012 ዓ.ም ኣብ ኢትዮጵያ ቫይረስ ኮሮና ምግጣሙ ስዒቡ ሻድሻይ ሃገራዊ ምርጫ ምንውሑ ይዝከር።

ባይቶ ተወከልቲ ህዝቢ ፌዴሪኢ ሻድሻይ ሃገራዊ ምርጫ ሎሚ ዘበን ንኽካየድን ለበዳ ሕማም ቫይረስኮሮና ምክልኻል መሰረት ዝገበረ ምድላው ምርጫ ንክጅመርን ኣብዚ ሰሙን ውሳነ ኣተሓላሊፉ ኢዩ።

ስለዝኾነ ኣማኻሪት ኮሙዩኒኬሽን ብሄራዊ ቦርድ ምርጫ ኢትዮጵያ ወይዘሪት ሶሊያና ሽመልስ ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ከምዝገለፅኡ፥ ካብ ስልጠና ጀሚሩ ኣብ እዋን ምሃብ ድምፂ ኣብ ረብሓ ዝውዕሉ ንዋታት ሙሉእ ብሙሉእ ድልው ተገይሩ ኣሎ።

ብመሰረት እዚ ወረቐትን ካርድን ምዝገባ መረፅቲ፣ ብሓሙሽተ ቋንቋታት ዝተዳለዉ መምርሒታት ኣፈፀምቲ ሰልጠና፣ ናውቲታት ስልጠና፣ ሃገራዊን ክልላዊን ምርጫ ንምስላጥ ዘኽእሉ ኮሮጆታት መውሃቢ ድምፂ ድሉው ከምዝተገበረ ተዛሪበን።

ኣፈፀምቲ ምርጫ ምስ መረፅቲን ካልኦት ሰባትን ዝፍለይሉ ኣልባሳት ሓዊሱ ኣብ ዕለተ ምርጫ ኣብ ረብሓ ዝውዕሉ ብዙሓት እታዎታት ከምዝተዳለዉ እውን ተገሊፁ።

ወይዘሪት ሶሊያና ከምዝበልኡ፥ ምርጫ ንምስላጥ ሓዱሽ ሰሌዳ ግዘ ምስ ፓርቲታት ፖለቲካን ዝምልከቶም ኣካላትን ብምዝታይ እቲ ቦርድ ዕላዊ ከምዝገብር ሓቢረን።

ብበላይ ተስፋዬ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment