ኣዲስ ኣበባ ፣ 26 ሰነ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ሻውዓይ ምዕራፍ ውድድር ፍፃመ ፋና ላምሮት ብድሙቕ ኩነታት ተኻይዱ።
ንተዓወትቲ ሻውዓይ ምዕራፍ ውድድር ፍፃመ ፋና ላምሮት 500 ሺሕ ብር ሽልማት ተበርኪቱሎም።
ኣብቲ ምዕራፍ ተሳተፍቲ ንምዃን ልዕሊ 1 ሺሕን 500 ዝኾኑ ድምፃውያን መናእሰይ ካብ ዝተፈላለዩ ክልላት ኢትዮጵያ ተመዝጊቦም ናይ ምፅራይ ውድድር ገይሮም ኢዮም።
እቲ ምፅራይ ዝሓለፉ 12 ድምፃውያን በቢሰሙኑ ብቐጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን ምስ ሙሉእ ባንዲሙዚቃ ብምዃን ብዳያኑን ብባዕልቶምን ዝተመረፁ ደረፍቲ እናቐረቡ ተወዳዲሮም ኢዮም።
ናይ ተመልካቲ SMS ድምፂን ብሰብ ሙያ ዳያኑ ሙዚቃ ድምር ውፅኢት ትሑት ዝረኸበ ተወዳዳሪ በቢሰሙኑ እናተሰናበተ ኣርባዕተ ድምፃውያን ተሪፎም ሎሚ መዓልቲ ንፍፃመ ውድድር ኣብ ሰለስተ ዙር ተኻይዱ።
ብቐጥታ ፈነወ ኣብ ዝተኻየደ ኣብ ናይ ሎሚ መዓልቲ ናይ ፍፃመ ውድድር ድምፃዊ ተስፋ ልደት ታደሰ ቀዳማይ ብምውፃእ 200,000 ብር ተሸሊሙ።
ድምፃዊ ሔኖክ ጥጋቡ ድማ ካልኣይ ብምውፃእ 150,000 ብር ተሸሊሙ።
ድምፃዊ ቢንያም አስናቀ ሳልሳይ፣ ድምፃዊ ማህደር ደመላሽ ራብዓይ ብምውፃእ 100,000 ብር ን 50,000 ብርን ረኺቦም።
ህቡብ ድምፃዊ ፀጋዬ እሸቱ ብኽብሪ ጋሻ ኣብቲ መድረኽ ዝተረኸበ እንትኸውን፥ ንተወትቲ ሽልማት ኣበርኪቱ።
ዘለዎ ተሞክሮ ህይወት እውን ነቶም ድምፃውያን ተዛሪቡ።
ምክትል ዋና ኣፈፃሚ ስራሕ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ኣይተ ሰጠኝ እንግዳው፥ ንተሳተፍቲ ሰብ ሞያ ወረቐት ምስክር ሂቦም።
ፋና ኣብ ኢንዳስትሪ ሙዚቃ ተተካእቲ ሰብ ሞያ ንምፍራይን ሞያን ሞያተኛን ብቐጥታ ብምስታፍ ጥበብ ኩለ መዳይ ኣገልግሎት ንክህብ ዝገብሮ ኣስተዋፅኦ ኣጠናኺሩ ክቕፅል ኢዩ ኢሎም።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።