ሻምፒዮና ውድድር ኩዕሾ እግሪ ተምሃሮ ፓን ኣፍሪካኒዝም ተጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ታሕሳስ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)2ይ ሻምፒዮና ውድድር ኩዕሾ እግሪ ተምሃሮ ፓን ኣፍሪካኒዝም ኣብ ከተማ ኣዳማ ምክያድ ጀሚሩ።

ኣብ መጀመሪ መርሃ ግብሪ እቲ ሻምፒዮና ዝተረኸቡ ዋና ፀሓፊ ፌዴሬሽን ኩዕሾ እግሪ ኢትዮጵያ ባህሩ ጥላሁን÷ ሻምፒዮና ውድድር ኩዕሾ እግሪ ተምሃሮ ፓን ኣፍሪካኒዝም ተተካእቲ ስፖርተኛታት ኣብ ምፍራይ ልዑል ግደ ከምዝህልዎ ኣብሪሆም፡፡

ሚኒስትር ዲኤታ ባህልን ስፖርትን ኣምባሳደር መስፍን ቸርነት ብግደኦም÷ መሰል ውድድሮች ተተኪ ስፖርተኛታት ካብ ምፍራይ ሓሊፉ ክልላት ነኒባዕለን ርክበን ዘጠናኽራሉ መድረኽ ከምዝኾነ ገሊፆም።

ኣብቲ ውድድር 6 ጋንታታት ኩዕሾ እግሪ ደቂ ተባዕትዮን 4 ጋንታ ኩዕሾ እግሪ ደቂ ኣንስትዮን ተሳተፍቲ እንትኾኑ÷ እቲ ውድድር ብዓወት ዝዛዘማ ጋንታታት ኣብ ታንዛኒያ ንካልኣይ ግዘ ኣብ ዝካየድ ሻምፒዮና ፓን ኣፍሪካኒዝም ከምትሳተፍቲ ከምዝኾኑ ካብ ሚኒስቴር ባህልን ስፖርትን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

Comments (0)
Add Comment