ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ፅባሕ ክጅመር ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ፅባሕ ኣብ ስታዲየም ኣዲስ ኣበባ ክጅመር ኢዩ።

እቲ ውድድር ካብ 7 ታሕሳስ 2012 ዓ.ም ጀሚሩ ኣብቲ ስታዲየም፥ ውድድር ሓፂርን ማእኸላይን ርሕቐት፣ 3 ሺሕ ሜትሮ መሰናክል፣ ስጉሚን ካልኦት ተግባራትን ክካየድ ኢዩ።

ኣብ መኽፈቲ እቲ ዕለት ድማ፥ መፃረዪን ፍፃመን ውርወራ ኣሎሎ፣ መፃረዪን ፍፃመን ስሉስ ዝላ ከምኡ እውን ካብ 100 ክሳብ 800 ሜትሮ ውድድራት መፃረዪ ካምዝካየድ ፌዴሬሽን ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

Comments (0)
Add Comment