ሻለቃ ዓቃቢ ሰላም ኢትዮጵያ ተሸላሚ ሜዳሊያ ዓቃቢ ሰላም ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኮይኑ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 29 ሰነ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ደቡብ ሱዳን ቦር ዝርከብ መበል 14 ሞተራይዝድ ሻለቃ ዓቃቢ ሰላም ኢትዮጵያ ተሸላሚ ሜዳሊያ ዓቃቢ ሰላም ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኮይኑ።

ምክትል ፎርስ ኮማንድ ዩናሚስ ሜጀር ጀነራል ኤም ዲ ማይን ኡላህ ቾድሪ ከምዝገለፁዎ፥ ሻለቃ ዓቃቢ ሰላም ኢትዮጵያ ግቡኡኣብ ምፍፃም ብብቕዓት ዝዋፃእ፣ ብልዑል ወታደራዊ ዲሲፒሊን ዝተሃነፀን ኣብ ደቡብ ሱዳን ዝተውሃቦ ምዕሳል ዞባዊ ሰላም ንዝገበሮ ዕዙዝ ኣበርክቶ ብዓቃቢ ሰላም ውድብ ሕቡራት መንግስታት ሜዳሊያ ምኽባር ሰላም ብኽብሪ ተበርኪቱሉ ኢሎም።

ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ደቡብ ሱዳን ነቢል ማህዲ ኣብዱላሂ ብግደኦም፥ ኢትዮጵያ ኣብ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ይኹን ሕብረት ኣፍሪካ ኣብ ልኡኽቶ ምኽባር ሰላም ንነዊሕ ዓማውቲ ዘኹዕ ታሪኽ ዘለዋ ከምዝኾነት ገሊፆም።

ኣብቲ ስነስርዓት ኣወሃህባ ሜዳሊያ ሓለፍቲ ስራሕ ውድብ ሕቡራት መንግስታት፣ ወተሃደራዊ ኣታሼታት፣ ላዕለዎት መኮንናት ዩናሚስን ጋያሹ ዝተፈላለያ ሃገራትን ከምዝተረኸቡ ካብ ሰራዊት ምክልኻል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment