ሸኔ ቀንዲ ፀላኢ ኦሮሞ ኢዩ ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ገሊፆም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 30 ሰነ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሸኔ ቀንዲ ፀላኢ ኦሮሞ ኢዩ ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ገሊፆም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ እዋናዊ ኩነታት ብምጥማት ካብ ኣባላት ባይቶ ወከልቲ ንዝተልዓሉ ሕቶታት ኣበ ዝሃብዎ መብርሂ፥ “ምስ ዘርኢ ብምትሕሓዝ ሸኔ ኦሮሞ ኢዩ እትብሉ ሰባት ተወካሊ ኦሮሞ ኢዩ ኢልኩም ኣናኢስኩም ኣይተርኣዩ” ኢሎም።

ሸኔ ቀንዲ ፀላኢ ኦሮሞ ኢዩ ዝበሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ፥ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ምስ ሸኔ ኣብ ዝገበርናዮ ኲናት ካብ መንጎ ዝማረኽናዮም  ተወለድቲ ትግራይን ደቡብን ኣለውዎም ኢሎም።

ስለዝኾነ ኣብ ወለጋ ዝእከብ ኦሮሞ ጥረሕ ዘይኮነስ ኢትዮጵያ ነምጥፋእ ዝደሊ ክፉእ ሓይሊ እወን ኢዩ ክብሉ ገሊፆም።

ንሸኔ ዝቃለሱ ጀነራላት ከይዶም ብምቅላሶም ጥራሕ ቤተሰቦም ብሰኔ ከምዝተቐተሉ እወን ሓቢሮም።

ብተወሳኺ ኣብ ወለጋ ብኣማኢቲ ዝቑፀሩ ኣመራርሓ ወረዳን ዞባን ሞይቶም ኢዮም ኢሎም።

ስለዝኾነ ሸኔ ናይ ኦሮሞ ተወካሊ ዘይኮነስ ሸኔ ቀንዲ ፀላኢ ኦሮሞ ኢዩ ብምባል ገሊፆም።

እዚ ፀላኢ ናይ ኩላትና ኢዩ ኢልና እንተተረባሪብና ክንስዕሮ ኢና ኢሎም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

Comments (0)
Add Comment