ሶማሊያ ብምኽንያት ምስፍሕፋሕ ዕስለ ኣምበጣ በረኻ ብሄራዊ ኣዋጅ ስግኣት ሓደጋ ኣዊጃ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ሃገራት ምብረራቕ ኣፍሪካ ዘሎ ምስፍሕፋሕ ዕስለ ኣምበጣ በረኻ ስዒቡ ሶማሊያ ብሄራዊ ኣዋጅ ስግኣት ሓደጋ ኣዊጃ።

ኢትዮጵያ ሓዊሱ ኣብ ሃገራ ቀርኒ ኣፍሪካ ተራእዩ ዘሎ ኣምበጣ በረኻ፥ ኣብ ልዕሊ ዝራእቲ ዓብዪ ጉድኣት እናብፀሐ ይርከብ።

ሃገረ ሶማሊያ ድማ ብሄራዊ ኣዋጅ ስግኣት ሓደጋ ብምእዋጅ ፈላመይቲ ሃገር እቲ ዞባ ኮይና ኣላ።

ሚኒስቴር ሕርሻ እታ ሃገር፥ እቲ ብዙሓት ዝራእቲ ከብርስ ዝኽእል ዕስለ ኣምበጣ እብ ልዕሊ ውሕስና ምግቢ ሶማሊያውያን ዓቢዪ ሓደጋ ኣንፀላሊዩ ኣሎ ክብል ገሊፁ።

ብኣውሮፕላን ዝተሓገዘ ስራሕቲ ምንፃግ ኬሚካል ብምክያድ ነቲ ኣምበጣ ንምክልኻል ኣብ ዝግበር ፃዕሪ፥ ኣብ ሶማሊያ ዘሎ ዘይተረጋግአ ኩነታት ፀፅታ ዓብዪ ማሕለኻ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

እቲ ዕስለ ኣምበጣ ምህርቲ ቅድሚ ዝእከበሉ ወርሒ ማዝያ ምቁፅፃር ኣይከኣልን ዝብል ስግኣት ከምዝፈጠረ እውን ተሓቢሩ።

ኣብ ሶማሊያን ኢትዮጵያን ዝተርኣየ ዕስለ ኣምበጣ፥ ኣብ ውሽጢ ዝሓለፉ 25 ዓማውቲ ተራእዩ ከምዘይፈልጥ ውድብ ሕቡራ መንግስታት ምግላፁ ይፍለጥ።

እቲ ልዑል ሓደጋ እናብፀሐ ዝርከብ ዕስለ ኣምበጣ ብቕልጡፍ ምቁፅፃር እንተዘይተኻኢሉ፥ እቲ ዕሰለ ኣብ መፃኢ ወርሒ ሰነ 500 ዕፅፊ ክኸውን ኢዩ ክብል ትካል ምግቢን ሕርሻን ዓለም (FAO) ኣተሓሳሲቡ።

ፍልፍል፦ ቢ.ቢ.ሲ

Comments (0)
Add Comment