ሶማሊላንድን ኣሜሪካ ክልተኣዊ ዘተ ኣካይደን

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ሕዳር፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ሶማሊላንድን ኣሜሪካን ክልተኣዊ ምትሕበባረን ንምጥንኻርን ኣብቲ ዞባ ሰላም ምዕሳል ዝዓለመ ዘተ ኣካይዶም፡፡

ብኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ሶማሊያ ሪቻርድ ሪሌይን ኮማንደር ግብረ ሓይሊ ፀፅታ ምብራቕ ኣፍሪካ ሜጀር ጄኔራል ብሪያን ቲ ካሽ ማን ዝተመርሐ ላዕለዋይ ልኡኽ ኣሜሪካ ምስ ሓዱሽ ዝተመረፁ ፕሬዚዳንት ሶማሊላንድ ኣብ ሃርጌሳ ተዛቲዮም፡፡

ልኡኽ ኣሜሪካ ኣብቲ እዋን ዘተ ሶማሊላንድ ዘካየደቶ ሰላማዊ ፕሬዚዳንታዊ መረፃ ብምንኣድ÷ ሓዱሽ ንዝተመረፁ ፕሬዚዳንት ሶማሊላንድ ኣብዱራህማን ሞሃመድ ኣብዱላሂ ኢሮ መልእኽቲ እንኳዕ ደስ በለኩም ኣመሓላሊፉ፡፡

“ፕሬዚዳንታዊ ሶማሌላንድ መረፃ ግፃ፣ ኣሳታፊን ዴሞክራሲያዊን ነይሩ” ዝበለ እቲ ልኡኽ፤ እዚ ድማ ብዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ልዑል ናእዳ ከምዝረኸበ ገሊፁ፡፡

ኣብዱራህማን ሞሃመድ ኣብዱላሂ ኢሮ ምስ ልኡኽ ኣሜሪካ÷ ኣብቲ ዞባ ሰላምን ድሕንነትን ንምርግጋፅ፣ ዴሞክራሲ ንምስፋሕ ዝዓለመ ዘተ ከምዘካየዱ ኣብ ኤክስ ገፆም ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ ኣፍሊጦም፡፡

እቲ ዘተ ሶማሊላንድን ኣሜሪካን ዘለወን ሓበራዊ ልኡኽቶ ዘረጋግፅ ከምዝኾነ ምባሎም ሆርን ዲፕሎማት ፀብፂቡ፡፡

Comments (0)
Add Comment