ስፖርት ንሓድነትን ሰላምን መፍትሒ ኢዩ – ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ሕዳር፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ስፖርት ንሓድነትን ሰላምን መፍትሒ ከምዝኾነ ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ሳህለወርቅ ዘውዴ ተዛሪበን።
ማሕበር ኮሚቴታት ኦሎምፒክ ኣፍሪካ ሓፈሻዊ ጉባኤኡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣዳራሽ ኮሚሽን ኢኮኖሚ ኣፍሪካ እናሳለጠ ይርከብ።
ኣብቲ ጉባኤ ድማ ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ሳህለወርቅ ዘውዴ፣ ፕዚዳንት ማሕበር ኮሚቴታት ኦሎምፒክ ኣፍሪካ ሙስጠፋ በሪፋን ፕሬዚዳንት ኮሚቴ ኦሎምፒክ ኢትዮጵያ ደክተር ኣሸብር ወልደጊዮርጊስን ተረኺቦም።
ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ኣብ መኽፈቲ መደረአን ከምዝበለኦ፥ ኢትዮጵያ ብሄራዊን ኣህጉራዊን ሽቶታት ንምዕዋት ወሳኒ ግደ ትፃወት ኢያ።
ሓበራዊ ዕላማ ንምዕዋት ድማ ስፖርት ዕዙዝ ግደ ከምዘለዎ ገሊፀን።
እቲ ዓውዲ ንኽኸውን ኩሉ ዝከኣሎ ሓገዝ ክገብር ከምዝግባእ እውን ኣተሓሳሲበን።
እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment