ስፓርት
ኣብ ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ዓለም ንዝሳተፉ ትሕቲ 20 ዓመት ኣትሌታት ስነ ስርዓት ምፍናው ተሳሊጡ
ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢሲ)ኣብ ኮሎምቢያ ካሊ ኣብ ዝግበር ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ዓለም ንዝሳተፉ ትሕቲ 20 ዓመት ኣትሌታት ስነ ስርዓት ምፍናው ተሳሊጡ።
እቲ ስነ ስርዓት ምፍናው 2 ሰዓት ናይ ንጎሆ ዝተገበረ እነትኸውን፥ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ ተወከልቲ ፌዴሬሽን ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተረኸብሉ ኢዩ ተፈፂሙ።
ኣብ ኮሎምቢያ ካሊ ዝግበር ውድድር ኣትሌቲክስ ትሕቲ 20 ዓመት ካብ 1 ክሳብ 6 ነሓሰ ኣብ ዘለዉ መዓልታት ከምዝሳለጥ ካብቲ ፌዴሬሽን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም…
Read More...
ኢትዮጵያ ኣብ ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ዓለም ካብ ዓለም ካልኣይ ደረጃ ብመሓዝ ዛዚማ
ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ሓምለ፣ 2014 (2014) ኢትዮጵያ ኣብ ኦሪገን ዝተኻየደ መበል 18 ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ዓለም ካብ ዓለም ካልኣይ ደረጃ ብመሓዝ ዛዚማ።
ኣብቲ ውድድር ኣርባዕተ ወርቂ፣ ኣርባዕተ ብሩርን ክልተ ነሓስን ብድምር 10 ሜዳሊያታት ብምርካብ ኢያ ካልአይቲ ክትወፅ ክኢላ።
ብማራቶን ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ከምኡ እውን ብ10 ሺሕን 5 ሺሕን ሜትሮ ደቂ…
ኣብ መዛዘሚ ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ዓለም ዝተኻየዱ ውድድራት ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ኣይተዓወቱን
ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ሓምለ፣ 2014 (2014)ሎሚ ወጋሕታ ኣብ ዝተኻየዱ መዛዘሚ ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ዓለም ውድድራት ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ዓወት ኣይቀንዖምን።
ኣብ ናይ ሎሚ ወጋሕታ መዛዘሚ ውድድር ብ5 ሺሕ ሜትሮ ደቂ ተባዕትዮን ብ800 ሜትሮ ውድድር ደቂ ኣንስትዮን ኢትዮጵያን ኣትሌታት ተሳቲፎም ኣይዓወቱን።
ብ5 ሺሕ ደቂ ተባዕትዮ ኖርዌይ ሜዳሊያ ወርቂ ረኺባ።…
ጉዳፍ ፀጋይ ኣብ ኦሪገን ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ዓለም ብ5 ሺሕ ሜትሮ ሜዳሊያ ወርቂ ብምርካብ ተዓዊታ
ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣትሌት ጉዳፍ ፀጋይ ኣብ ኦሪገን ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ዓለም ብ5 ሺሕ ሜትሮ ሜዳሊያ ወርቂ ብምርካብ ተዓዊታ።
ብመሰረት እዚ፥ ጉዳፍ ፀጋይ ንሃገራ ራብዓይ ሜዳሊያ ወርቂ ክተመዝግብ ክኢላ።
ኣትሌት ጉዳፍ ፀጋይ ነቲ ውድድር ብ14 ደቒቕ 46 ሰከንድን 29 ማይክሮ ሰከንድን ብምእታው ዝተዓወተት እንትትከውን፥ ዳዊት ስዩም ብ14…
ኣብ መበል 18 ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ዓለም ለይቲ ውድድር ፍፃመ 5 ሺሕ ሜትሮ ደቂ ተባዕትዮ ክካየድ ኢዩ
ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢሲ)ኣብ መበል 18 ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ዓለም ለይቲ ውድድር ፍፃመ 5 ሺሕ ሜትሮ ደቂ ተባዕትዮ ክካየድ ኢዩ።
ለይቲ ሰዓት 10፡05 ኣብ ዝካየድ ውድድር ፍፃመ 5 ሺሕ ሜትሮ ሰለስተ ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ዝሳተፉ እንትኾኑ፥ ሙክታር ኢድሪስ፣ ሰለሞን ባረጋን ዮሚፍ ቀጀልቻን ክሳተፉ ኢዮም።
ብተመሳሳሊ ወጋሕታ ሰዓት 10፡35…
ሃራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ምስ ደቡብ ሱዳን መዘነኣ ማዕረ ተፈላሊያ
ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢሲ)ኣብ መፃረዪ ፀወታ ቻን ምስ ሃገራዊት ጋንታ ደቡብ ሱዳን ዝገጠመት ሃራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ብዘይሽቶ ማዕረ ተፈላሊያ።
ኣብ ታንዛኒያ ስታዲየም ቤንጃሚን ምካፓ ዝተኻየደ ፀወታ፥ ሃራዊት ጋንታ ብዙሕ ታሪኽ ኩዕሾ እግሪ ንዘይብላ ሃገራዊት ጋንታ ሱዳን ክትፍትን ኣይከኣለትን፡፡
ናይ መልሲ ፀወታ ክልቲአን ሃገራውያን ጋንታታት 24…
ኣብ 800 ሜትሮ ፍርቂ ፍፃመ ኢትዮጵያውያን ኣአትሌታት ክሳተፋ ኢየን
ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ዝሳተፋሉ ፍርቂ ፍፃሜ ውድድር ደቂ ኣንስትዮ ለይቲ ሰዓት 10ን 35 ደቒቕን ክካየድ ኢዩ፡፡
ኣብቲ ውድድር ኣትሌት ፍሬወይኒ ሃይሉ፣ ኣትሌት ደርቤ ኦልተጂን ኣትሌት ሃብታም ኣለሙን ክሳተፋ ኢየን፡፡
ትማሊ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ርብዒ ፍፃመ እቲ ርሕቐት፥ ኣትሌት ድርቤ ኦልተጂ 1ይቲ፣ ፍሬወይኒ ሃይሉ…