ስፓርት

ስፓርት

ካሪም ቤንዜማ ካብ ፅዋዕ ዓለም ወፃኢ ኮይኑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ሕዳር ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ) ፈረንሳዊ ተፃዋቲ ክፍሊ ምጥቃዕ ካሪም ቤንዜማ ብዘጋጠሞ ጉድኣት ካብ ፅዋዕ ዓለም ወፃኢ ከምዝኾነ ሃገራዊት ጋንታ ፈረንሳይ ኣፍሊጣ፡፡ ካሪም ቤንዜማ ካብቲ ውድድር ወፃኢ ኮይኑ ዘሎ፥ ትማሊ ኣብ ልምምድ እናሃለወ ብዘጋጠሞ ጉድኣት ጭዋዳ ከምዝኾነ እታ ሃገራዊት ጋንታ ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳ ገፃ ዕላዊ ገይራ፡፡ ተዓዋቲ ሽልማት ባሎንዶር 2022 ቤንዜማ፥ ካብ ዘጋጠሞ ጉድኣት ንምሕዋይ ብውሑዱ ሰለስተ ሰሙን ከምዘድልዮ ተሓቢሩ፡፡ ኣብ መላእ ዓለም ብሃንቀውታ ትፅቢት…
Read More...

ፅዋዕ ዓለም ሎሚ መዓልቲ ክጅምር ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ሕዳር፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ መላእ ዓለም ብሃንቀውታ ትፅቢት ዝግበረሉ መበል 22 ውድድር ኩዕሾ እግሪ ፅዋዕ ዓለም ሎሚ መዓልቲ ኣብ ኳታር ክጅምር ኢዩ። ስነ ስርዓት መኽፈቲ እቲ ውድድር፥ ከባቢ 60 ሺሕ ተመልከትቲ ናይ ምሓዝ ዓቕሚ ኣብ ዘለዎ ስታዲየም ኣል በይት ክካየድ ኢዩ፡፡ ኣብቲ ስነ ስርዓት መኽፈቲ፥ ሳውንድ ትራክ እቲ ውድድር ተባሂሉ ብፊፋ…

ኣትሌት ኣቤ ጋሻው ኣብ ዓብዪ ጉያ ኣብ ኢትዮጵያ እዚ ዓመት ብደቂ ተባዕትዮ ንሳልሳይ ግዘ ተዓዊቱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ሕዳር፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዓብዪ ጉያ ኣብ ኢትዮጵያ እዚ ዓመት ብደቂ ተባዕትዮ ኣትሌት ኣቤ ጋሻው ካብ ኣምሓራ ቤት ህንፀት ንሳልሳይ ግዘ ተዓዊቱ። ኣትሌት ኣቤ ጋሻው፥ ኣብዚ ውድድር እንትዕወት ሎሚ ዘበን ንመበል ሳልሳይ እዋን ኢዩ፡፡ ኣትሌት ሃይለማርያም ኣማረ ካብ ቤት ህንፀት ፌደራል ካልኣይ፤ ከምኡ እውን ኣትሌት ገመቹ ዲዳ…

ፌዴሬሽን ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ሓፈሻዊ ጉባኤኡ የሳልጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 10 ሕዳር፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ፌዴሬሽን ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ መበል 26 ስሩዕ ሓፈሻዊ ጉባኤኡ ኣብ ከተማ ሰመራ የሳልጥ ኣሎ። ኣብቲ ሓፈሻዊ ጉባኤ ኣብ ብዙሓት ዛዕባታት ውሳነ ከሕልፍ ኢዩ ዝብል ትፅቢት ኣሎ። ሕቶ ኣባልነት ፌዴሬሽን ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ክልል ደቡብ ምዕራብ ኢትዮጵያ ብምቕራብ ክፀድቕ ኢዩ ዘብል ትፅቢት ከምዘሎ እውን ተሓቢሩ።…

ባሕርዳር ከነማ ንኢትዮጵያ ቡናን 3 ን 1 ብምስዓር ዓወት ቀኒዑዋ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ሕዳር፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ቤትኪንግ ፕሪሚየርሊግ ኢትዮጵያ ጋንታ ባሕርዳር ከነማ ንጋንታ ኢትዮጵያ ቡናን 3 ን 1 ብምስዓር ዓወት ቀኒዑዋ፡፡ ኣብ ስታዲየም ድሬዳዋ ዝተኻየደ 8ይ ሰሙን ቤትኪንግ ፕሪሜርሊግ ኢትዮጵያ÷ ፉኣድ ፈረጃ፣ ፍፁም ጥላሁንን ያሬድ ባየህን ናይ ባህርዳር ሽቶታት እንተዝግቡ፤ ብሕታዊት ሽቶ ኢትዮጵያ ቡና ሮቤል ተክለሚካኤል…

ሀዲያ ሆሳእናን ሃዋሳ ከተማን 2 ማዕረ ተፈላሊየን

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ሕዳር፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ሻምናይ ሰሙን ፀወታ ቤትኪንግ ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ጋንታታት ሀዲያ ሆሳእናን ሃዋሳ ከተማን 2 ማዕረ ተፈላሊየን፡፡ ሽቶታት ሃዲያ ሆሳእና÷ ፀጋዬ ብርሃኑ ኣብ መበል 25፤ መለሰ ሚሻሞ ኣብ መበል 85 ደቒቕ ኣመዝጊቦምወን፡፡ ሽቶታት ጋንታ ሃዋሳ ከተማ ድማ ሙጂብ ቃሲም ኣብ መበል 92ን ኤፍሬም አሻሞ ኣብ መበል 93…

ኣትሌት ጎይተቶም ገብረስላሴ ኣብ ወርልድ ማራቶን ኣቦት ብብርኪ ደቂ ኣንስትዮ ቀዳመይቲ ኮይና

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ጥቅምቲ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣትሌት ጎይተቶም ገብረስላሴ ኣብ ወርልድ ማራቶን ኣቦት ሜጀርስ ብብርኪ ብዝተገበረ ምሃብ ደረጃ ደቂ ኣንስትዮ ቀዳመይቲ ኮይና። እቲ ደረጃ ኣብ 6 ዋና ዋና ውድድራት ማራቶን ማለት እውን፤ ኣብ ውድድራት ማራቶን በርሊን፣ ለንደን፣ ቦስተን፣ ቶኪዮ፣ ቺካጎን ኒውዮርክን ዝተረኸቡ ውፅታት መሰረት ብምግባር ዝወፅ እንትኸውን÷ ኣትሌት…