ስፓርት

ስፓርት

ማንቼስተር ዩናይትድ ምስ ኣርሰናል ዝገብረኦ ፀወታ ትፅቢት ይግበረሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ መበል 28 ሰሙን መርሃ ግብሪ ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ሎሚ ምሸት ሰዓት 1፡30 ማንቼስተር ዩናይትድ ኣብ ሜዳኣ ንርሰናል ክተተኣናግድ ኢያ። ማንቼስተር ዩናይትድ ኣብቲ ሊግ 33 ነጥቢ ብምእካብ መበል 15 ደረጃ ትርከብ እንትትከውን፤ ኣርሰናል ብ54 ነጥቢ ኣብ 2ይ ደረጃ ትርከብ። ክልቲአን ጋንታታት ኣብዚ ውድድር ዓመት ኣብ ስታዲየም ኢምሬትስ ኣብ ዝገበረኦ ቀዳማይ ዙር ፀወታ ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ኣርሰናል 2 ን 0 ብዝኾነ ውፅኢት ምስዓራ ይዝከር። ካብዚ ፀወታ ኣቐዲሙ ኣጋምሸት…
Read More...

ሎሚ ኣብ ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ሽዱሽተ ፀወታታት ክካየዱ ኢዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ሎሚ ኣብ ዝካየድ መበል 28 ሰሙን ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ሽዱሽተ ፀወታታት ክካየዱ ኢዮም። ብመሰረት እቲ መርሃ ግብሪ፥ ኖቲንግሃም ፎረስት ምስ ማንቼስተር ሲቲ ሰዓት 9፡30 ከካይዳ ኢየን። ሰዓት 12፡.00 ድማ፥ ብራይተን ምስ ፉልሃም፣ ክሪስታል ፓላስ ምስ ኢፕስዊች ታውን፣ ሊቨርፑል ምስ ሳውዝሃምፕተን ክራኸባ ኢየን።…

መቻልን ወልዋሎ ዓዲግራት ዩኒቨርሲቲን ብማዕረ ውፅኢት ተፈላሊየን

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ መበል 21 ሰሙን ፀወታ ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ መቻልን ወልዋሎ ዓዲግራት ዩኒቨርሲቲን ብማዕረ ውፅኢት ተፈላሊየን፡፡ እተን ጋንታታት ሰዓት 9 ኣብ ስታዲየም ዩኒቨርሲቲ ሳይንስን ቴክኖሎጂን ኣዳማ ዝገበረኦ ፀወታ 0 ን 0 ብዝኾነ ውፅኢት ተዛዚሙ፡፡ ብኣሰልጣኒ ገብረክርስቶስ ቢራራ ትምራሕ ጋንታ መቻል…

ኢትዮጵያ ንግድ ባንክ ንስሑል ሽረ ስዒራ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ መበል 21 ሰሙን ፀወታ ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ኢትዮጵያ ንግድ ባንክ ንስሑል ሽረ 1 ን 0 ብዝኾነ ውፅኢት ብምስዓር ክትዕወት ክኢላ፡፡ ሎሚ ረፋድ ኣብ ዝተኻየደ ፀወታ ንኢትዮጵያ ንግድ ባንክ ብሕታዊት ሸቶ ዘላለም ኣበበ ኣብ መበል 82 ደቒቕ ኣመዝጊቡዋ፡፡ ኣብቲ ሊግ ካልኣይ ተኸታታሊ ዓወታ ዘመዝገበት ጋንታ…

ኣብ ቻምፒየንስ ሊግ ኣውሮፓ ሊቨርፑል ምስ ፒኤስጂ ዝገብረኦ ፀወታ ትፅቢት ይግበረሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ሎሚ ምሸት ቀዳማይ ዙር ፀወታታት ኣውዲቕካ ምሕላፍ ቻምፒየንስ ሊግ ኣውሮፓ ቀፂሎም ዝካየዱ እንትኾኑ ፒኤስጂ ምስ ሊቨርፑል ዝገበረኦ ፀወታ ትፅቢት ይግበረሉ፡፡ ብኣሰልጣኒ ኣርነ ስሎት እናተመርሐት ብቐጥታ ናብ 16 ዝተፀምበረት እንግሊዛዊት ጋንታ ሊቨርፑል ናብ ፓሪስ ኣምሪሓ ምስ ፈረንሳዊት ጋንተታ ፒኤስጂ ኣብ ስታዲየም ፓርክ…

ኣብ ሻምፒየንስ ሊግ ኣውሮፓ ትፅቢት ዝግበረሉ ደርቢ ማድሪድ ሎሚ ምሸት ክካየድ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ፀወታታት ቀዳማይ ዙር ኣውዲቕካ ምሕላፍ ሻምፒየንስ ሊግ ኣውሮፓ ሎሚ መዓልቲ ምሸት ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ኣውሮፓ ክካየዱ ኢዮም። ትፅቢት ዝግበረሉ ፀወታ ደርቢ ማድሪድ ሪያል ማድሪድ ምስ ናይ ከተማ ተናሓናሒታ ኣትሌቲኮ ማድሪድ ምሸት ሰዓት 5 ኣብ ሳንቲያጎ ቤርናባው ክትገጥም ኢያ። ኣትሌቲኮ ማድሪድ ኣብ ቀረባ እዋን…

መበል 20 ውድድር ሪሌ ማራቶን ኢትዮጵያ ኣብ ከተማ ዓድዋ ይካየድ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)መበል 20 ውድድር ሪሌ ማራቶን ኢትዮጵያ ኣብ ክልል ትግራይ ከተማ ዓድዋ ይካየድ ኣሎ፡፡ ፕሬዚዳንት ፌደሬሽን ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ኮማንደር ኣትሌት ስለሺ ስህን ነቲ ውድድር ሪሌ ማራቶን ኣጀሚሮም። ብምድብ ደቂ ተባዕትዮ ሓጎስ ገብረህይወት፣ ገመቹ ዲዳን ካልኦት ፍሉጣት ኣትሌታትን ከምዝተሳተፉ ሓበሬታ ፌደሬሽን ኣትሌቲክስ…