ስፓርት

ስፓርት

ዩክሬን ንስሎቫኪያ ብምስዓር ዓወት ኣመዝጊባ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ መበል 17 ውድድር ፅዋዕ ኣውሮፓ ካልኣይ ዙር ፀወታ መፃዪ ምድብ ሎሚ ቀፂሉ እንትካየድ ዩክሬን ንስሎቫኪያ 2 ን 1 ብምስዓር ዓወት ኣመዝጊባ። ቀትሪ ሰዓት 10 ኣብ ዝተኻየደ ፀወታ ስሎቫኪያ ኣብ መበል 17 ደቒቕ ብዘመዝገበታ ሸቶ እናመርሐት ፀኒሓ፤ ዩክሬን ኣብ መበል 54ን 80ን ደቒቕ ብዘመዝገበተን ክልተ ሸቶታት ወሰንቲ ሰለስተ ነጥቢታት ሒዛ ወፂኣ። ኣብ ቀዳማይ ዙር ፀወታ ስሎቫኪያ ንቤልጂየም 1 ን 0 ዝሰዓረት እንትትከውን÷ ዩክሬን ድማ ብሮማንያ 3 ን 0 ከምዝተስዓረት ይዝከር፡፡
Read More...

ፈረንሳይ ምስ ኔዘርላድስ ሎሚ ዝገብርኡ ፀወታ ዝለዓለ ትፅቢት ተገይሩሉ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዝካየድ መርሃ ግብሪ መበል 17 ፅዋዕ ኣውሮፓ፥ ፈረንሳይ ምስ ኔዘርላድስ ዝገብርኡ ፀወታ ዝለዓለ ትፅቢት ተገይሩሉ ኣሎ። ኣብ ናይ ሎሚ መዓልቲ መርሃ ግብሪ ሰለስተ ፀወታታት ክካየዱ ኢዮም። ብመሰረት እዚ ኣብ ምድብ ኣርባዕተ ዝርከባ ፈረንሳይን ኔዘርላድስን ምሸት ሰዓት 4 ዝገብርኡ ፀወታ ልዑል ጠመተ ስሒቡ።…

ኣብ ፅዋዕ ኣውሮፓ ስፔንን ጣልያንን ዝገብርኡ ፀወታ ዝለዓለ ጠመተ ረኺቡ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ) ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዝካየድ መርሃ ግብሪ ምፅራይ ንፅዋዕ ኣውሮፓ፥ ስፔንን ጣልያንን ዝገብርኡ ፀወታ ዝለዓለ ጠመተ ረኺቡ ኣሎ። ኣብ ናይ ሎሚ መዓልቲ መርሃ ግብሪ ሰለስተ ፀወታታት ዝካየዱ እንትኾኑ፥ ኣብ ምድብ ክልተ ዝርከባ ስፔንን ጣልያንን ሰዓት 4 ናይ ምሸት ክራኸባ ኢየን። ኣብ ፋላማይ ፀወታ ጣልያን ንኣልባንያ 2 ን 1…

ክሮሺያን ኣልባኒያን ክልተ ማዕረ ተፈላለየን

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ መበል 17 ፅዋዕ ኣውሮፓ 2024 ሃገራውያን ጋንታታት ክሮሺያን ኣልባኒያን ኣብ ዝገበረኦ ፀወታ ክልተ ማዕረ ተፈላሊየን፡፡ ብወገን ኣልባኒያ ላቺ ኣብ መበል 11 ደቒቕን ሆሱላ ኣብ መበል 95 ደቒቕን ሸቶ እንተመዝግቡ÷ ናይ ክሮሺያ ድማ ክራማሪች ኣብ መበል 74ን ሆሱላ (ኣብ ናይ ባዕሉ ሸቶ) ኣብ መበል 76 ደቒቕን…

ኣሰናዳኢት ፅዋዕ ኣውሮፓ ጀርመን ሎሚ መዓልቲ ትፅቢት ዝግበረሉ ፀወታኣ ክትገብር ኢያ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ትማሊ ቀዳማይ ዙር ናይ ምድብ መፃረዪ ፀወታ ምዝዛሙ ስዒቡ ሎሚ መዓልቲ ካልኣይ ዙር ናይ ምድብ መፃረዪ ፀወታታት ክጅመሩ ኢዮም፡፡ በዚ ድማ ኣብ ቀዳማይ ዙር ፀወታ ብስፔን 3 ን 0 ዝተሰዓረት ክሮሺያ ብጣሊያን 2 ን 1 ምስ ዝተሰዓረት ኣልባኒያ ቀትሪ ሰዓት 10 ክራኸባ ኢየን፡፡ ምሸት ሰዓት 1 ድማ ኣሰናዳኢት ሃገር ጀርመን…

ኣብ ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ኣፍሪካ ዝሳተፍ ልኡኽ ኢትዮጵያ ናብ ካሜሩን ኣምሪሑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ መበል 23 ኣብ ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ኣፍሪካ ዝሳተፍ ልኡኽ ኢትዮጵያ ናብ ካሜሩን ኣምሪሑ። መበል 23 ኣብ ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ኣፍሪካ ብኣሰናዳእነት ካሜሩን ኣብ ከተማ ዱዋላ ከምዝካየድ ካብ ፌደሬሽን ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡ ኣብቲ ውድድር ዝሰሳተፍ ልኡኽ ኢትዮጵያ ሎሚ ወጋሕታ ናብ ካሜሩን…

ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዝካየዱ ፀወታታት ፅዋዕ ኣውሮፓ ፖርቹጋል ምስ ቼክ ሪፐብሊክ ትገብሮ ፀወታ ትፅቢት ይግበረላ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ መበል 17 ውድድር ፅዋዕ ኣውሮፓ የ2024 ሃራዊያን ጋንታታ ፖርቹጋል ምስ ቼክ ሪፐብሊክ ዝገብረኦ ፀወታ ትፅቢት ይግበረሉ፡፡ መወዳእታ ፀወታ ቀዳማይ ዙር ናይ ምድብ ፀወታታት ሎሚ መዓልቲ ክካየዱ ኢዮም፡፡ ብምዃኑ ኣብ ምድብ ሰለስተ ዝርከባ ሃገራዊ ጋንታታት ቱርኪን ጆርጂያ ምሸት 1 ሰዓት ዝራኸባ እንትኾና÷ እቲ ፀወታ…