ስፓርት

ስፓርት

ኣሰልጣኒ ሚኬል ኣርቴታ ኣብ ጋንታ ኣርሰናል ንምፅናሕ ዘኽእሎ ውዕሊ ኣናዊሑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣሰልጣኒ ጋንታ ኣርሰናል ሚኬል ኣርቴታ ኣብታ ጋንታ ንተወሰኽቲ ዓመታት ዘፅነሖ ውዕሊ ኣናዊሑ፡፡ ብመሰረት እዚ ስፔናዊ ኣሰልጣኒ ኣርቴታ ኣብ ጋንታ ሰሜን ለንደን ንተወሰኽቲ ሰለስተ ዓመታት ንምፅናሕ ዘኽእሎ ክታም ምንባሩ እታ ጋንታ ኣፍሊጣ፡፡ ድሕሪ እቲ ስነ-ስርዓት ፊርማ ኣብ ዝሃ ርኢቶ ድማ÷ ኩንትራት ብምንውሑ ትኽክለኛ ውሳነ ከምዝኾነ ብምግላፅ በዚ ድማ ሓጎስ ከምዝተሰመዖ ተዛሪቡ፡፡ እቲ ኣሰልጣኒ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ታሕሳስ 2019 ናብ ጋንታ ኣርሰናል ከምዝተፀምበረ ይፍለጥ፡፡…
Read More...

ዋልያታት ኣብ 2025 መፃረዪ ፅዋዕ ኣፍሪካ ሞሮኮ ካልኣይ ዙር ፀወተኦም ከካይዱ ኢዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ጳጉሜን፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ዋልያታት ኣብ 2025 መፃረዪ ፅዋዕ ኣፍሪካ ሞሮኮ ካልኣይ ዙር ፀወተኦም ምስ ዲሞክራቲክ ሪፐብሊክ ኮንጎ ከካይዱ ኢዮም። እቲ ፀወታ ፅባሕ ምሸት ሰዓት 4 ኣብ ታንዛኒያ ዳሬ ሰላም ብሄራዊ ስታዲየም ቤንጃሚን ምካፓ ኢዮም ከካይዱ። ኣብ ህማምን ጉድኣትን ዝነበሩ ኣብነት ደምሴን ወገኔ ገዛኸኝን ዋልያታት ትማሊ ኣብ ዝገበርዎ ናይ…

ንልኡኽ ኣትሌቲክስ ትሕቲ 20 ዓመት ኣፍልጦን ሽልማትን ሂቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ፔሩ -ሊማ ኣብ ዝተኻየደ ትሕቲ 20 ዓመት ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ዓለም ተሳቲፉ ልዑል ውፅኢት ንዘመዝገበ ልኡኽ ኢትዮጵያ ኣፍልጦን መበረታትዒ ሽልማት ተበርኪቱሉ፡፡ ልኡኽ ኣትሌቲክስ ትሕቲ 20 ዓመት ኢትዮጵያ ኣብ ተሳትፎኡ 6 ወርቂ፣ 2 ብሩርን 2 ነሓስን ሜዳሊያታት ብምእካብ ካብ ኣፍሪካ 1ይ ካብ ዓለም 2ይ ደረጃ ብመሓዝ…

ሃገራዊት ጋንታ ኢዮጵያ መፃረዪ ፀወታ ፅዋዕ ኣፍሪካ ምስ ታንዛኒያ ክተካይድ ኢያ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሃገራዊት ጋንታ ኢዮጵያ ኣብ 2025 ኣብ ሞሮኮ ዝካየድ ፅዋዕ ኣፍሪካ ቀዳማይ መፃረዪ ፀወታኣ ምስ ሃገራዊት ጋንታ ታንዛኒያ ክትፃወት ኢያ፡፡ እቲ ፀወታ ምሸት ሰዓት 1 ኣብ ታንዛኒያ ዳሬ ሰላም ስታዲየም ቤንጃሚን ምካፓ ክካየድ ኢዩ። ዋልያታት ትማሊ ኣብ ናሽናል ስታዲየም ቤንጃሚን ምካፓ ናይ መወዳእታ ልምምዶም ምግባሮም…

ኢትዮጵያ ኣብ ውድድር ፓራሊምፒክ 3 ሜዳሊያታት ብምርካብ ተሳትፎኣ ዛዚማ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ፈረንሳይ ፓሪስ ኣብ ዝተኻየደ መበል 17 ውድድራት ፓራሊምፒክ ኢትዮጵያ 2 ወርቂን 1 ብሩርን ሜዳሊያታት ብምርካብ ተሳትፎኣ ዛዚማ። ብመሰረት እዚ ኣትሌት ትእግስት ገዛሀኝ ብ1 ሺሕነ 500 ሜትሮ ደቂ ኣንስትዮ ዋግዋጎ (T-13)ን ያየሽ ጌቴ ብ1 ሺሕን 500 ሜትሮ ዓይነ ስዉራት ደቀአ ኣንስትዮ (T-11)ን ሚያዲያ ወርቂ…

ኣትሌት ይታያል ስለሺ ንኢትዮጵያ ሜዳሊያ ብሩር ኣምፂኡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣትሌት ይታያል ስለሺ ኣብ መበል 17 ውድድራት ፓራሊምፒክ ብ1 ሺሕን 500 ሜትሮ ደቂ ተባዕትዮ ዓይነ ስውር ጩራ (T-11) ንኢትዮጵያ ሜዳሊያ ብሩር ኣምፂኡ። እቲ ኣትሌት ነቲ ርሕቐት 4 ደቒቕ 23 ሰከንድን 21 ማይክሮ ሰከንድን ብዝኾነ ሰዓት ብምዝዛም ካልኣይ ደረጃ ከምዝወፅ ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡

ሉዊስ ሱዋሬዝ ካብ ዝቕፅል ቀዳም ዝካየድ ፀወታ ንደሓር ንባዕሉ ካብ ሃገራዊት ጋንትኡ ከምዘግልል ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኡራጋዊ ተፃዋታይ ክፍሊ ምጥቃዕ ሉዊስ ሱዋሬዝ ካብ ዝቕፅል ቀዳም ዝካየድ ፀወታ ንደሓር ንባዕሉ ካብ ሃገራዊት ጋንትኡ ከምዘግልል ኣፍሊጡ። ወዲ 37 ዓመት ተፃዋታይ ክፍሊ ምጥቃዕ ሱዋሬዝ÷ ሃገሩ ኣብ ዝቕፅል ቀዳም ኣብ መፃረዪ ፅዋዕ ዓለም ምስ ፓራጓይ ትገብሮ ፀወታ ናይ መወዳእታ ፀወታኡ ከምዝኸውን ገሊፁ፡፡ ንሃገራዊት…