ስፓርት

ስፓርት

ኣትሌት ፍሬወይኒ ገ/እግዚአብሄርን ኣትሌት ለምለም ሃይሉን ብ1500 ሜትሮ ንፍርቂ ፍፃመ ሓሊፈን

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ሓምለ፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ኣትሌት ፍሬወይኒ ገ/እግዚአብሄርን ኣትሌት ለምለም ሃይሉን ብ1500 ሜትሮ ንፍርቂ ፍፃመ ሓሊፈን። ኣብ ኦሎምፒክ ቶኪዮ መፃረዪ ውድድር 1500 ሜትሮ ደቂ ኣኒስቲዮ ኣብ ሰለስተ ዝተፈላለዩ ምድባት ተደልዲለን ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ሰለስተ  ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ዝተሳተፋ እንትኾና፥ ካብ መንጎ እተን ዝተወዳደራ ኣትሌታት ድርቤ ወልተጂ ነቲ ማረዪ ኣይሓለፈትን። ኣትሌት ፍሬወይኒ ገ/እግዚአብሄርን ብ4:04.12፣  ኣትሌት ለምለም ሃይሉ ብ4:05.49 ንፍፃመ ምሕላፈን ካብ ኣትሌቲክስ ፌዴሬሽን…
Read More...

ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ተወዳደርቲ 3000 ሜትሮ መሰናክል መቅደስ ኣበበን ዘርፌ ወንድማገኝን ንፍፃመ ውድድር ሓሊፈን

ኣዲስ ኣበባ፣  25 ሓምለ፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ቶኬዮ 2020 ኦሎምፒክ ደቂ ኣንስትዮ  ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ተወዳደርቲ 3000 ሜትሮ መሰናክል መቅደስ ኣበበን ዘርፌ ወንድማገኝን ንፍፃመ ውድድር ሓሊፈን። መፃረይ ዝሓለፋ ክልቲአን ኣትሌታት መፃኢ ዕለተ ረቡዕ ኣብ ዝካየድ  ውድድር ፍፃመ  ንኢትዮጵያ ብምውካል ክወዳደራ እየን። ኦሎምፒክ ቶኬዮ ኢትዮጵያ ናይ ፈለማ…

ኣብ ኦሊምፒክ ቶኪዮ 10 ሺሕ ሜትሮ ተዓወትቲ ንዝኾኑ ኣትሌታት ስነ ስርዓት ሽልማት ሜዳሊያ ተኻይዱ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 24 ሓምለ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኦሊምፒክ ቶኪዮ 10 ሺሕ ሜትሮ ተዓወትቲ ንዝኾኑ ኣትሌታት ስነ ስርዓት ሽልማት ሜዳሊያ ሎሚ መዓልቲ ተኻይዱ። ብመሰረት እዚ ነተ ውድድር ብ27 ደቒቓ 43 ሰከንድን 22 ማይክሮ ሰከንድን ዝዛዘመ ኣትሌት ሰለሞን ባረጋ ንኢትዮጵያ ናይ መጀመሪያ ሜዳሊያ ወርቂ  ተረኪቡ፡፡ ኡጋንዳዊ ኣትሌታት ጆሽዋ ቺፕቴጌን ጃኮብ ኪፕሊሞን…

ኢትዮጵያ ኣብ ቶኪዮ ኦሊምፒክ  ናይ መጀመሪያ ወርቂ ተዓዊታ

ኣዲስ ኣበባ፣  23 ሓምለ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ኣብ ቶኪዮ ኦሊምፒክ  ብኣትሌት ሰለሞን ባረጋ ናይ መጀመሪያ ሜዳሊያ ወርቂ ተዓዊታ። ኣብቲ ዝተገበረ ውድድር 10 ሺሕ ሜትሮ ሰለሞን ባረጋ ንኢትዮጵያ ናይ መጀመሪያ ወርቂ ኣምፂኡ። ኣትሌት ሰለሞን ባረጋ ነቲ ርሕቐት ብ27 ደቒቓ 43 ሰከንድን 22 ማይክሮ ሰከንድን ብዝኾነ ግዘ ኢዩ ዛዚሙዎ። ኣትሌት በሪሁ…

ኣብ መፃረዪ ውድድር 5 ሺሕ ሜትሮ ደቂ ኣኒስቲዮ ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ንፍፃመ ሓሊፈን

ኣዲስ ኣበባ፣  23 ሓምለ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ) ኣብ ቶኪዮ ኦሊምፒክ መፃረዪ ውድድር 5 ሺሕ ሜትሮ ደቂ ኣኒስቲዮ ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ንፍፃመ ሓሊፈን። ኣብ ናይ መጀመሪያ ምድብ ኣትሌት ሰንበሬ ተፈሪ ሳልሰይቲ፣ እጅጋየሁ ታዬ ድማ ራብዐይቲ ብምዃን ውድድረን ዛዚመን። ኣብ ካልኣይ ምድብ ድማ ኣትሌት ጉዳፍ ፀጋይ ቀዳማይ ደረጃ ብምሓዝ እቲ መፃረዪ ውድድር ዛዚማ።…

ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ 3 ን2 ብዝኾነ ውፅኢት ተዓዊታ  

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ሓምለ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ሎሚ መዓልቲ ኣብ ስታድዮም ባህርዳር ዝተኻደ ፀወታ ውድድር ሴካፋ ትሕቲ 23 ዓመት ሃገራውያን ጋንታታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ብዓወት ሃገራዊት ጋንታ ኤርተራ ተዛዚሙ። ፀወታ ቅድሚ ዕረፍ ብዘይ ሽቶ ድሕሪ ምዝዛሙ ኣብ ልዕሊ ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ 3 ሽቶታት ዘመዝገበን ብሸቶ ነቲ ውድድር ዝመርሖ ዘሎን ኣጥቃዓይ ሃገራዊት ጋንታ…

ሰለሞን ቱፋ ደምሴ ብውድድር ቴኳንዶ ደቂ ተባዕቲዮ ናብ ቀፃሊ ዙር ሓሊፉ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 17 ሓምለ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ሰለሞን ቱፋ ደምሴ ብውድድር ቴኳንዶ ደቂ ተባዕቲዮ ብልዑል ኣፈላላይ ነጥቢ ብምዕዋት ናብ ቀፃሊ ዙር ሓሊፉ። ኣብ ቀዳማይ መዓልቲ ውድድር ኦሎምፒክ ቶኪዮ 2020 ኦሎምፒክ ንኢትዮጵያን ብምካል ብ58 ኪ.ግ. ቴኳንዶ ደቂ ተባዕቲዮ ዝተወዳደረ ሰለሞን ቱፋ ደምሴ፥ ናይ ጃፓን ተነሓናሒኡ ብልዑል ኣፈላላይ ነጥቢ ብምዕዋት ኢዩ…