ስፓርት
ኣትሌት ጉዳፍ ፀጋይ ንኢትዮጵያ ሜዳሊያ ወርቂ ኣምፂኣ
ኣዲስ ኣበባ፣ 14 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ መበል 20 ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ውሽጢ ገዛ ዓለም ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ጉዳፍ ፀጋይን ድርቤ ወልተጂን ቀዳማይን ካልኣይን ብምውፃእ ተዓዊተን።
ኣብ ውድድር 1 ሺሕን 500 ሜትሮ ደቂ ኣንስትዮ ኣትሌት ጉዳፍ ፀጋይን ድርቤ ወልተጂን 1ይቲን 2ይቲን ብምውፃእ ኢየን ንኢትዮጵያ ሜዳሊያ ወርቂን ብሩርን ከምፅኣ ክኢለን።
ኣትሌት ጉዳፍ ፀጋይ ብ3:54.86 ሰዓት 1ይቲ እንትትወፅእ፤ ኣትሌት ድርቤ ወልተጂ ብ3:59:30 ሰዓት 2ይቲ ብምውፃእ ውድድራ ዛዚማ።
Read More...
ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ትፅቢት ዝግበራሉ ውድድር ፍፃመ ክካየዱ ኢዮም
ኣዲስ ኣበባ፣ 14 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ሎሚ መዓልቲ ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ዝካየድ ውድድራት ፍፃመ መበል 20 ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ውሽጢ ገዛ ዓለም ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ትፅቢት ይግበረለን።
ቀትሪ ሰዓት 9፡28 ብ1500 ሜትሮ ውድድር ፍፃመ ደቂ ኣንስትዮ ኣትሌት ጉዳፍ ፀጋይን ኣትሌት ድርቤ ወልተጂን ክዕወታ ትፅቢት ይግበረለን።
ብ800 ሜትሮ ደቂ ኣንስትዮ ቀትሪ…
ኢትዮጵያ ኣብ ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ፈላማይ ሜዳሊያ ወርቂ ረኺባ
ኣዲስ ኣበባ፣ 13 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ) ኣብ ቻይና ናንጂንግ ይካየድ ኣብ ዘሎ መበል 20 ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ዓለም ኢትዮጵያ ኣብ ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ፈላማይ ሜዳሊያ ወርቂ ረኺባ።
ኣብ 3 ሺሕ ሜትሮ ውድድር ደቂ ኣኒስቲዮ ኣትሌት ፍሬወይኒ ሃይሉ ሜዳሊያ ወርቂ ንሃገራ ኣምፂኣ።
ኣትሌት ብርቄ ሓየሎም ድማ ሓምሻይ ደረጃ ብምሓዝ ውድድራ ዛዚማ።
ብ1 ሺሕን 500 ሜትሮ ጉዳፍ ፀጋይን ድርቤ ወልተጂን ንፍፃመ ሓሊፈን
ኣዲስ ኣበባ፣ 12 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ መበል 20 ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ውሽጢ ገዛ ዓለም ብደቂ ተባዕትዮ 1 ሺሕን 500 ሜትሮ ጉዳፍ ፀጋይን ድርቤ ወልተጂን ንፍፃ ሓሊፈን፡፡
ኣብ ቻይና ናንጂንግ እናተኻየደ ኣብ ዝርከብ ሻምፒዮና፥ ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ዝተሳተፉሉ ውድድር ፍርቂ ፍፃመ 1 ሺሕን 500 ሜትሮ ደቂ ኣንስትዮ ተኻይዱ፡፡
ኣብ ምድብ 1…
ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ኣብ መፃረዪ ፅዋዕ ዓለም ምስ ሃገራዊት ጋንታ ግብፂ ክትገጥም ኢያ
ኣዲስ ኣበባ፣ 12 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ኣብ መፃረዪ ፅዋዕ ዓለም 2026 ሓምሻይ ናይ ምድብ ፀወታኣ ምስ ሃገራዊት ጋንታ ግብፂ ክትገጥም ኢያ።
እታ ሃገራዊት ጋንታ ኣብ ምድብ ካብ ዝገበረቶም ኣርባዕተ ፀወታታት ሰለስተ ነጥቢ ብመሓዝ ኣብቲ ምድብ 5ይ ደረጃ እንትትቅመጥ፤ ተጋጣሚታ ግብፂ ብ10 ነጥቢ ነቲ ምድብ እናመርሐት ትርከብ።…
ብ800 ሜትሮ ደቂ ኣንስትዮ ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ናብ ፍርቂ ፍፃመ ሓሊፈን
ኣዲስ ኣበባ፣ 12 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)መበል 20 ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ውሽጢ ገዛ ዓለም ኣብ ቻይና ናንጂንግ ምክያድ ጀሚሩ።
በዚ ድማ ብ800 ሜትሮ ደቂ ኣንስትዮ ዝተሳተፋ ሰለስቲአን ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ናብ ፍርቂ ፍፃመ ክሓልፋ ክኢለን።
ኣትሌት ሃብታም ኣለም፣ ኣትሌት ፅጌ ዱግማን ኣትሌት ንግስት ጌታቸውን ብ800 ሜትሮ ደቂ ኣንስትዮ ናብ ፍርቂ ፍፃመ…