ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ሓምለ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ስግግር ፍትሒ ኣመልኪቱ ንተወከልቲ ሕብረት ኣውሮፓን ኣባል ሃገራትን ብሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣቢሉ ገለፃ ተገይሩ።
እቲ መብርሂ ዝሃቡ÷ ሚኒስትር ፍትሒ ጌዲዮን ጢሞቴዎስ (ዶ/ር)ን ኣማኻሪ ፖለቲካ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣምባሳደር ሚኒሊክ ኣለሙ ኢዮም።
ተወከልቲ ሕብረት ኣውሮፓን ተወከልቲ ኣባል ሃገራትን ተረኺቦም።
ሚኒስትር ፍትሒ ጌዲዮን ጢሞቴዎስ (ዶ/ር)÷ ኣብ ኣፈፃፅማ ኣማራፂታት ፖሊሲ ስግግር ፍትሒን ዝተወገኑ ተግባራትን ኣድሂቦም ገለፃ ገይሮም፡፡
ኣወዳድባ ጉጅለ ስራሕ ኣማራፂ ፖሊሲ ስግግር ፍትሒ ዝምልከት፣ በቲ ጉጅለ ዝተሓንፀፀ ኣማራፂ ፖሊሲ ስግግር ፍትሒን ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታ ኢትዮጵያ ከሳብ ሕዚ ብሓገዝ መዳርግቲ ኣካላትን መሓዙት ኣካላትን ዝተሳለጠ ፍሉያት ህዝባዊ ምኽክራት ዝምልከቱ ጉዳያት በምርሂ ሂቦም።
ኣብ ቀፀልቲ ኣፈፃፅማ ትልሚታት ኣመልኪቶም እውን ገለፃ ምግባሮም ካብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብና ሓበሬታ የረድእ፡፡
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/…
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com