ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ስግኣት ሓደጋ ውሕጅ ዝመፅእ ክረምቲ ንምጽዋር ዝሰርሕ ሃገር ለኸ ግብረ ሓይሊ ከምዝተጣየሸ ኮሚሽን ኣመራርሓ ስራሕ ስግኣት ሓደጋ ገሊፁ።
እቲ ግብረ ሓይሊ ትንበያ ኢንስቲትዩት ብሄራዊ ሜቲዮሮሎጂ መበገሲ ብምግባር ብዙሓት ስግኣታት ሓደጋ ውሕጅ ብምስንዳእ ናብ ስራሕ ምእታዉ ሓላፊ ኮሙዩኒኬሽን እቲ ኮሚሽን ኣይተ ደበበ ዘውዴ ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ተዛሪቦም።
ካብ ዝምልከቶም ኣካላት ፌዴራልን ክልላትን ዝተውፃእፀአ ግብረ ሓይሊ ኮይኑ፤ ስግኣት ሓደጋ ንምንካይን ንምፅዋርን ዘኽእሉ ስራሕቲ ከሰርሕ ኢዩ ተባሂሉ።
መዳርግቲ ኣካላት ግደኦም ብግቡእ ክዋፅኡ ከምዝግባእ እቶም ሓላፊ ፀዊዖም።
ብትእግስት ስለሺ