ስደተኛታት ተጠቀምቲ ዲጂታል ቴክኖሎጂ ዝኾኑሉ ስርዓት ንምፍጣር ብሓባር ምስራሕ ይግባእ – በለጠ ሞላ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስቴር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን፣ ኮርፖሬሽን ኢንፎርሜሽን ቴክኖሎጂ ፓርክን ቢሮ ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ክልል ሶማሌን ቢሮ ምስ ዓለም ለኸ ትካል ስራሕ ብሓባር ንምስራሕ ተፈራሪሞም፡፡

በለጠ ሞላ (ዶ/ር) ኣብቲ እዋን ከምዝበሉዎ÷ ስደተኛታትን ተቓላዕቲ መናእሰይን ሓዊሱ እቲ ግልጋሎት ተበፃሕቲ ዘይገበሮም ጉጅለታት ተቀምቲ ዲጂታል ቴክኖሎጂ ዝኾኑሉ ስርዓት ንምፍጣር ብሓባር ምስራሕ ይግባእ፡፡

ስደተኛታት ናይ ምቕባል ነዊሕን ዘኹዕን ታሪኽ ዘለዋ ኢትዮጵያ ኣብ ዓለም ለኸ መድረኽ ፍሉይ ቦታ ከምዘለዋ ኣዘኻኺሮም፡፡

ስትራቴጂ ምዕባለ ቴክኖሎጂ ዲጂታል ኢትዮጵያ 2025 ፍኖተ ካርታ ጥራሕ ዘይኮነስ ሓቀኛ ዓቕሚ ዲጂታል ምዕባለ ክኽፈት ዝኽእል ኩሉ ሰብ ዘሳትፍ ዕድል እንትህልዎ ከምዝኾነ ምግንዛቦም ሓበሬታ እቲ ሚኒስቴር የመላኽት።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

Comments (0)
Add Comment