ስዕረት ታሪኽና ኣይኮነን – ቀ/ሚ ኣቢይ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 2 ሕዳር፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ “ስዕረት ታሪኽና ኣይኮነን” ክብሉ ገሊፆም።

መድረኽ ዘተ ሓዱሽ ወግዒ ሓደ ጉዳይ ኣብ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር “ፃውዒት ህልውናን ርብርብ ምድሓን ሃገርን” በዝብል መሪሕ ቃል ይካየድ ኣሎ።

ኣብቲ መድረኽ ዝተረኸቡ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ፥ “ስዕረት ታሪኽና ኣይኮነን፤ ኢትዮጵያውያን ናብ ሰላም ክምለሱ ይደልዩ ኢዮም፤ ነዚ ሽቶ ብምግባር እው ክንሰርሕ ኢና” ኢሎም።

ብዘይግቡእ ኩነታት ናይ ወቀገን ሓበሬታ ፀላኢ ክረክብ ምግባር ኣይግባእን ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ መሰረታዊ ኲናት ኣናተኻየደ ናይ ዝርከብ ኲናት ጥይት ዘይኮነስ ናይ ሕሶት ወረ ከምዝኾነ ገሊፆም።

ስለዝኾነ ድማ ፀላኢ እንተሕሱ ዝሓቶ ኣካል ይኹን ከይሕሱ ዝኽልክሎ ናይ ሞራል ቁመና ዘይብሉ ስለዝኾነ፥ ከምዝደለዮ ክሕሱን ናይ ሕሶት ፕሮፓጋንዳ ከምዘጋውሕ ኣብሪሆም።

ይኹ እምበር በንግስቲ ተመሳሳሊ ሓሶት ክፍኑን ናይ ሕሶት ፕሮፓጋንዳ ናይ ምንዛሕ ድሌት ይኹን ናይ ሞራል ፍቓድ የብሉን ኢሎም እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር።

ኢትዮጵያ ጥንታዊት ትኹ እምበር ኣብ ዝሓለፉ 30 ዓመታት ሕውነት ዘዳኽሙ ብዘሁጣት ስራሕቲ ከምዝተሰርሑ ብምፅራሕ፥ ንኢትዮጵያ ኣብ ጥንኩር ከውሒ ናይ ምህናፅ ዓቢዪ ስራሕ ህንፀት ሃገር ከምዝስራሕ እውን ኣብሪሆም።

ኢትዮጵያ ኩሎም ፈተናታት ብፅንዓት ሓሊፋ ቅንዕ ኢላ ታሪኽ ዓወታ ንኻልኦት ዘምህር ንምግባር ብዙሕ መስዋእትነት እናተኸፈለ ከምዝርከብ ገሊፆም።

ኣብ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ሓላፊ ቤት ፅሕፈት መተሓባሪ ህንፀት ስርዓት ዴሞክራሲ ዶክተር ቢቂላ ሁሪሳ ብግደኦም፥ ኢትዮጵያ ኣነ ኣንበርኪኸ ክገዝእ ኣለኒ፤ ክገዝእ እንተዘይክኢለ ድማ ከፍርሳ ኢየ ኣብ ፍራሳ ክነብር ኢየ ኢሉ ዝሓሰበ ሓይሊ ኣብ ዝኸፈቶ ኲናት ህልውና ከም ትርከብ ተዛሪቦም።

ኣብቲ ወፍሪ ህልውና ድማ ኢትዮጵያውያን ሃገሮም ንምሕላው ብልዑል ስምዒት ሓርበኝነት ካብ ጫፍ ጫፍ እናተንቀሳቐሱ ከምዝርከቡ ብምሕባር፥ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኢትዮጵያውያን ኣብ ምንቅስቓስ ሓርበኝነት ከምዝኾኑ ገሊፆም።

ከባቢኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment