ስዑድ ዓረብ ሃገራት ኣውሮፓ ሓዊሱ ኣብ ልዕሊ 50 ሃገራት ማዕቐብ ጉዕዞ ኣንቢራ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ስዑድ ዓረብ ምስ ዝርገሐ ቫይረስ ኮሮና ተተሓሒዙ ናይ ሃገራት ኣውሮፓ ሓዊሱ ኣብ ልዕሊ 50 ዝኾና ሃገራት ማዕቐብ ጉዕዞ ኣንቢራ።

እቲ ማዕቐብ ጉዕዞ፥ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብታ ሃገር ብቫይረስ ኮሮና ዝተትሓዙ ሰባት ቁፅሪ እናወሰኸ ምምፅኡ ስዒቡ ዝመፅአ ምዃኑ ተገሊፁ።

ብመሰረት እቲ ውሳነ፥ ናይ ሃገራት ኣውሮፓ ሓዊሱ 50 ዝኾና ሃገራት ናብ ስዑድ ዓርብ ከየኣትዋ ከምኡ እውን ካብታ ሃገር ናብተን ሃገራት ዝግበር ዝኾነ ይኹን በረራ ብግዚያዊነት ኣጊዳ ኣላ።

ካብ ሃገራት ኣፍሪካ ድማ ኢትዮጵያ ሓዊሱ ጅቡቲ፣ ሶማሊያ፣ ደቡብ ሱዳንን ሱዳንን ማዓቐብ ተነቢሩለን ኣሎ።

ኣብቲ ማዕቐብ 28 ሃገራት ኣውሮፓን ሽዱሽተ ሃገራት እስያን ከምዝርከበኦ እውን ተሓቢሩ።

ኣብ ስዑድ ዓረብ ኣብዚ ሕዚ እዋን በቲ ቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ቁፅሪ 45 ምብፅሑ ሚኒስቴር ጥዕና እታ ሃገር ኣፍሊጡ።

ፍልፍል፦ www.arabnews.jp/en

Comments (0)
Add Comment