ስዑዲ ዓረብ ኣብ ቅትለት ጋዜጠኛ ጀማል ካሾጊ ኢድ ኣለዎም ዝበለቶም ሰባት ብሞት ክቕፅዑ በዪና

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ስዑዲ ዓረብ ኣብ ቅትለት ጋዜጠኛ ጀማል ካሾጊ ኢድ ኣለዎም ዝበለቶም ሓሙሽተ ሰባት ብሞት ክቕፅዑ በዪና።

ጀማል ካሾጊ ንመንግስቲ ስዑድ ዓረብ ዝነቅፍ ዝነበረ ጋዜጤኛ እንትኸውን፥ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ቱርኪ ናብ ዝርከብ ቆንስል ስዑዲ ጉዳዩ ከሳልጥ ኢሉ ምስ ከደ እዩ ብኣካለት ፀጥታ ስዑድያ ተቐቲሉ።

ኣኽባሪ ሕጊ ስዑዲ ዓረብ ነቲ ቅጥለት ብምኹናን፥ ካልኦት ምስዚ ቅትለት ምትእስሳር ዘለዎም 11 ሰባት እውን መስርሕ ፍርዲ ይፅበዩ ከም ዘለዉ ገሊፁ።

ውድብ ሕቡራት ሃገራት ነቲ ኣብ ልዕሊ ጀማል ካሾጊ ዝተፈፀመ ቅትለት “ዘይሕጋውን ዘይፍትሓውን ቅትለት” ክብል ኮኒኑዎ ምንባሩ ይዝከር።

ልዑል መሓመድ ቢን ሳልማን ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ከም መራሒ ሰዑድ ዓረብ ናይቲ ጉዳይ ምሉእ ሓላፍነት ከም ዝስከሙ ገሊፆም ነይሮም።

ብመሰረት እዚ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ቅትለት ጋዜጠኛ ጀማል ካሾጊ ኢድ ኣለዎም ዝበለቶም ሓሙሽተ ሰባት ብሞት ክቕፅዑ በዪና ኣላ ተባሂሉ።

ፍልፍል፦ቢቢሲ

 

 

Comments (0)
Add Comment