ስዑዲ ዓረብ ኣብ ልዕሊ ኳታር ኣንቢራቶ ዝነበረት እገዳ ጉዕዞ ምድርን ባሕርን ከምተልዕሎ ገሊፃ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ታሕሳስ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ስዑዲ ዓረብ ኣብ ልዕሊ ኳታር ኣንቢራቶ ዝነበረት እገዳ ዲፕሎማሲያዊን ኢኮኖሚያዊን ምቅስቓስ ምድርን ባሕርን ከምተልዕሎ ገሊፃ።

እቲ ስጉምቲ፥ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ስዑድ ዓረብ ዝካየድ ዋዕላ ወሽመጥ ዓረብ ኣቐዲሙ ዝተወሰደ ከምዝኾነ ተሓቢሩ።

ከም ሓበሬታ በዓል መዚ ኣሜሪካ፥ ኣብ ሞንጎ ክልቲአን ሃገራት ዝነበረ ዘይምስምዕማዕ ደው ንምባል ስምምዕነት ክፈራረማ ኢየን።

ቅድሚ ሰለስተ ዓመትን ፈረቃን ኳታር ንኣባላት ግብረ ራዕዲ ትሕግዝ ኢያ ብዝብል ክሲ፥ ጎረባብታ እገዳ ኣንቢረናላ ከም ዝነበራ ይፍለጥ።

እቲ ምንቅስቓስ ዲፕሎማሲያዊን ኢኮኖሚያዊን እገዳ ተግባራዊ ንምግባር፥  ሕቡራት ኢሚረታት ዓረብ፣ ባህሬንን ግብፂን ብሓባር ብምዃ ኢየን ክሰርሓ ፀኒሐን።

ካብ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ እታ ንእሽተይ ግን ከዓ ሃብታም ዝኾነት ኳታር ግን፥ ንዝኾነ ይኹን ጀሃዳውያን ዕጡቃት ከም ዘይትሕግዝ እናገለፀት ፀኒሓ ኢያ።

ዋላ እኳ ክሳብ ኣብዚ ቀረባ እዋን ብሽምግልና ኩዌት ዝግበር ዝነበረ ፃዕርታት ብዘይፍረ ክብተን እንተጸነሐ፥ ኣብዘን ዝሓለፋ ቁሩብ ኣዋርሕ ግን ተስፋ ዘለዎም ምልክታት ከምዝተርኣዩን በዚ ጉዳይ ንዝተጎድኡ ድማ ዕረፍቲ ዝህብ ከም ዝኾነን ተገሊፁ።

ምምሕዳር ኣሜሪካ ኣብዚ ጉዳይ ርኡይ ተራ ከምዝተጻወተ ዝተገለፀ እንትኸውን፥ ኣብቲ ሎሚ መዓልቲ ዝካየድ ናይ ምፍርራም ስምምዕ ድማ ንፕረዚደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ወኪሉ ሰብኣይ ጓሉ ጃሬድ ኩሽነር ከምዝሳተፍ ሰብመዚ ኣሜሪካ ኣፍሊጦም።

ናይ ኳር ዒሚር ታሚም ቢን ሓማድ ኣል ታኒ፥ ኣብቲ ኣኼባ ንምስታፍ ብንጉስ ስዑድ ዓረብ ሳልማን ዝተገብረሉ ዕድመ ከም ዝተቐበሎ እውን ተሓቢሩ።

ፍልፍል፦ ቢቢሲ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

Comments (0)
Add Comment